ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ርእይኽምዎም ኣለኹም። ኣብ ናይ ፊልም ምይይጥ ሰምዕክምዎም ኣለኹም። ምናልባት ባዕልኹም 'ውን ተጠቒምክምሎም ትኾኑ ኢኹም። እዚኣቶም፡ ስነ-መጐታውያን ጌጋታት’ዮም፣ ኣብ መጀመርታ ድልዱላት ይመስሉ፣ ደጊምካ ምስ እትርእዮም ግን ፈረስቲ ኢዮም።
ስነ-መጐታውያን ጌጋታት ኣብ ኩሉ እዋናት ኣለዉ። ከመይ ጌርካ ከም እተለልዮም ምስ ፈለጥካ፡ ክሳዕ ክንደይ ልሙዳት ምዃኖም ከተስተብህል ኢኻ - ከምኡ’ውን ነቲ ጸሓፊ ክገልጾ ዝፍትን ዘሎ ነጥቢ ብኸመይ መገዲ ከዳኽምዎ ከም ዝኽእሉ ክትዕዘብ ኢኻ። ኣብ ጽሑፍ ካልኦት ከምኡ’ውን ኣብ ጽሑፍካ ስነ-መጐታዊ ጌጋታት ከተለሊ ምኽኣል፡ ዝያዳ ነቐፌታዊ ሓሳባይ ክገብረካ ይኽእል ኢዩ፡ እዚ ድማ ብግዲኡ ሓያል ጸሓፍን ኣንባብን ኪገብረካ ይኽእል’ዩ።
ስነ-መጐታዊ ጌጋ (logical fallacy) ብስነ-መጐት ወይ ኣመኽንዮ ኪፈርስ ዝኽእል መጎተ እዩ። እዚ ካብቲ ባዕላዊ ስነ-ሞጎት ወይ ብጭብጢ ኪፈርስ ዝኽእል ስነ-ሞጎት ዝተፈልየ እዩ፤ ሓደ መጎተ፡ ብስነ-መጐታዊ መገዲ ግጉይ ንኺብሃል፡ ብስነ-መጐታዊ መገዲ ጕድለት ዘለዎ ወይ ብገለ መገዲ ዘደናግር ኪኸውን ኣለዎ።
ነዞም ዚስዕቡ ክልተ ዘይቅኑዓት ስነ-ሞጎታት ኣነጻጽሮም። ካብኣቶም ሓደ ጥራይ እዩ ስነ-መጐታዊ ጌጋ ዘለዎ፤
• ብዘይ ካቦት ናብ ደገ እንተ ወጺእካ፡ ጉንፋዕ ክትሕዘካ ኢያ።
• ብዘይ ካቦት ናብ ደገ እንተ ወጺእካ፡ ጉንፋዕ ሒዝካ ነቶም ዝተረፉ ኣባላት ስድራቤት ክትለኽፎም ኢኻ። ሽዑ ሓውትኻ ካብ ትምህርቲ ክትበኩር ኢያ ’ሞ ሕማቕ ነጥቢ ረኺባ ኣብቲ እትወስዶ ኮርስ ክትወድቕ’ያ።
ኣብቲ ካልኣይ መጎተ ዘሎ ስነ-መጐታዊ ጌጋ ከተለልዮ ትኽእል ዲኻ? ናይ ስሊፐሪ ስሎፕ ጌጋ ወይ ናይ ዘንሸራትት ዓቐብ ጌጋ ኢዩ፣ ገለ ጠንቅታት ንሳዕቤን ይዕድሙ ኢዮም ዚብል ርእይቶ ኢዩ ዚኽተል ። ክልቲኡ ኣበሃህላታት ቅኑዕ ኣይኮነን ምኽንያቱ ድማ ብዘይ ካቦት ናብ ደገ ወጺእካ ከይሓመምካ ክትምለስ ትኽእል ኢኻ (ከምኡ’ውን ጉንፋዕ ንኺሕዘካ ቁሪ ዘይኮነስ ቫይረስ ከጥቅዓካ ከም ዘለዎ ክትፈልጥ ይግባእ)።
ስነ-መጐታዊ ጌጋታት ኣብ ሓደ ፍሉይ ዕድመ፡ ፖለቲካዊ ምትእስሳር፡ ጾታ፡ ዓሌት፡ ሃይማኖት፡ ንኡስ ባህሊ ወይ ካልእ ናይ ሓባር ባህሪ ጥራይ ዝተሓጽሩ ኣይኮኑን - ኣድማሳውያን ናይ ኣተሓሳስባ ጉድለታት ኢዮም። ሓንጎልና ፍጹም ኣይኮነን፡ ስለዚ ድማ ወላ ለባማት ሰባት ከይተረፉ ዘይሰማማዕን ዚጋጮን ርእይቶታት ካብ ምሃብ ናጻ ኣይኮኑን። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሰባት ከምዚ ዓይነት ግጉይ መጎተ ዘቕርቡ፡ ግዜ ወሲዶም ብስነ-መጐታዊ ኣገባብ ስለ ዘይሓስቡ’ምበር፡ ጉድለት ዘለዎ ስነ-ሞጎት ከቕርቡ ስለ ዝሓሰቡ ኣይኮነን። ኣብ ገለ ገለ ኣጋጣሚታት ግን፡ እቲ ደራሲ ወይ መዳሪ መብዛሕትኡ ግዜ ንርእይቶ ኣንበብቲ ንምቕስቓስ ወይ ንተቓውሞኦም ብላሽ ንምግባር ብዝዓለመ መገዲ፡ ጉድለት ዘለዎ ስነ-ሞጎት ከቕርብ ይፍትን ኢዩ።
ኣብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ጽሑፍ ስነ-መጐታዊ ጌጋ ከይትገብር እንተ ደሊኻ እቲ ዝበለጸ መገዲ ነቲ ጌጋ ምልላይን ከመይ ጌርካ ከም እትብድሆ ምምሃርን እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ነቲ ቀዳማይ ሓርፋፍ ጽሑፍካ ከተንብብ ከለኻ ክትረኽቦም ኢኻ። ጽሑፍካ ድማ ኣበይ ምኽላስ ከም ዘድልዮ ብልክዕ ክትፈልጥ ኢኻ።
ኣብ ታሕቲ ከም እትርእይዎ፡ ሓደ ክትዕ ጕድለት ክህልዎ ዘኽእል ብዙሕ መገድታት ኣሎ። እቶም ብብዝሒ ዚዝውተሩ 15 ስነ-መጐታዊ ጌጋታት፡ እነሀዉ፥
1. ኣድ ሆሚነም/ናብቲ ሰብ
ኣድ ሆሚነም ፋላሲ (ad hominem fallacy) ማለት ብስነ-መጐት ዘይኮነስ ኣብቲ ናይቲ ተማጓቲኻ ዘሎ ውልቃዊ ባህሪ ወይ ኣበር ብምምርኳስ ነቲ መጎተኡ ውዱቕ ንምግባር ዚካየድ ስልቲ ኢዩ።
ኣብነት፡ ካትሪን ኣብዛ ከተማ ስለ ዘይዓበየት ከንቲባ ንኽትከውን ኣይትበቅዕን ኢያ::
2. ረድ ሄሪንግ/ጓልመገዲ
ረድ ሄሪንግ፡ ኣገዳስነት ዘይብሉ ነጥቢ ብምትእትታው ናይቲ ቀሪቡ ዘሎ ክትዕ ኣተኩሮ ንምቕያር ዝግበር ፈተነ እዩ።
ኣብነት፡ ስኒ ምጕራፍ ዘፍርሕ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ግን ከኣ ብዛዕባ ጓልሕድርትናን ስንን ዚምልከት ጽውጽዋይ ሰሚዕካ ትፈልጥዶ?
3. ስትሮማን/ጥውያ ትዅረት
ስትሮማናዊ ስነ-ሞጎት ወይ ጥውያ ትዅረት፡ ኣንጻር ናይቲ ዚማጎተካ ዘሎ ጭቡጥ ነገር ዘይኮነስ ነቲ መጎተኡ ዘይመገዱ ኣትሒዝካ ምክታዕ ማለት ኢዩ።
ኣብነት፥ ኤሪን፡ ንፕላኔትና ኣብዚ እዋን'ዚ ካብ ሓደጋ ክሊማ ንምድሓን፡ ኩሉሰብ ፕላስቲክ ምጥቃም ከቋርጽ ኣለዎ፡ ትብል።
4. ኤኲቮከሽን/ምድንጋር
ምድንጋር ማለት ንሓደ ቃል ብዙሕ ትርጉማት ብምሃብ ወይ ዘይንጹር ሓረጋት ብምጥቃም ንኣንበብቲ ወይ ንሰማዕቲ ከተዳናግር ምፍታን ማለት ኢዩ።
ኣብነት፡ ንነፍሲ ወከፍ ዝወጽእ ዶላር ኣብ ግምት ዘእቱ ንናይቲ ካምፓስ ባጀት ዚምልከት ንጹር ውጥን እኳ እንተሃለወኒ፡ መወዳድርተይ ግን ኣብ ፍሉይ ኣገደስቲ ኢዮም ዚብሎም ፕሮጀክትታት ጥራይ ኢዩ ገንዘብ ክድርቢ ዚደሊ።
5. ስሊፐሪ ስሎፕ ጌጋ/ ናይ ዘንሸራትት ዓቐብ ጌጋ
ስሊፐሪ ስሎፕ ጌጋ ወይ ናይ ዘንሸራትት ዓቐብ ጌጋ፡ እቲ ተኻታዒ፡ ኩሉ ተኸታታሊ ፍጻመታት ሓደ መበገሲ ነጥቢ ኣለዎ ኢሉ ኢዩ ዚኣምን፣ ግን ነዚ ሰንሰለታውን ተኸታታልን ፍጻመታት ዚድግፍ መርትዖ የብሉን።
ኣብነት፡ ነቲ ናይ ቢጃል ከልቢ ፍሉይ ሓለፋ እንተ ጌርናሉ፡ ሽዑ ካልኦት ሰባት ኣኽላባቶም ሒዞም ኪመጹ ክደልዩ እዮም። ሽዑ ኩሉ ሰብ ከልቡ ከምጽእ እዩ፡ መጠረስታኡ ድማ ቤትመግብና ብኣኽላባትን ትሙስሙሶምን፡ ጸጉሮምን ጫውጫውታኦምን ኪመልእ እዩ፡ ብድሕሪኡ ድማ ኣብዚ ኪበልዕ ዝደሊ ሰብ ኣይኪህሉን እዩ።
6. ሀስቲ ጀነራላይዘሽን/ህዉኽ ሕፈሻ
ህዉኽ ሕፈሻ ኪብሃል ከሎ ነቲ እዩነት (claim) ንምድጋፍ ኣብ ዝያዳ ሰፊሕ መጽናዕቲ ካብ ምጽጋዕ፡ ኣብ ሓደ ወይ ውሑዳት ኣብነታት ጥራይ ብምውካስ እትህቦ መጎተ እዩ። እኹል መጽናዕቲ ንኺብሃል፡ እቲ መጎተ ኣብቲ ጉዳይን ኣብቲ ብዛዕባኡ ዝወሃብ መግለጺን ኪምርኮስ ይግባእ።
ኣብነት፡ ኣብ ክልቲኡ ግዜ ኣብ እንዳ ጆርጅዮ ፒሳ ኣብ ዝበልዓኩሉ እዋን፡ ልበይ ዕግርግር ኢሉኒ፡ ስለዚ ኣብ ፒሳ ዘሎ ገለ ነገራት ኣለርጂ ይገብረለይ ኣሎ ማለት'ዩ።
7. ኣፒል ቱ ኣሶሪቲ/ኣብ ዓበይቲ ዝበሉዎ ምጽጋዕ
ወላውን እቲ በዓልመዚ ዓቕሚ ዘይብሉ ይኹን፡ እቲ ተኻታዒ ነቲ ሰብ መዚ ብምጥቃስ ነቲ መጎትኡ ሓቅነት ከትሕዞ ይፍትን።
ኣብነት፦ ጥዕና ክህልወካ እንተ ደሊኻ ቡን ምስታይ ከተቋርጽ ኣለካ። ነዚ ኣብ ሓደ ንናይ ኣካላዊ ብቕዓት ዚትንትን ብሎግ እየ ኣንቢበዮ።
8. ፎልስ ዲለማ (ምርጫዊ ግዴታ)
ምርጫዊ ግዴታ፡ ከም ናይ ሓሶት ተቓራውነት (false dichotomy) ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ሓደ ውሁብ ኩነታት ክልተ ኣማራጺታት ጥራይ ከም ዘለዉ ይገልጽ። እዚ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ክልተ ኣዝዮም ተጻረርቲ ኣማራጺታት ብምቕራብ፡ ካልኦት ዝያዳ ርትዓውያን ኣማራጺታት ከም ዘለዉ ኣፍልጦ ዘይህብ ስነመጎት እዩ።
ኣብነት፡ ንውሳነይ እንተ ዘይደጊፍካዮ፡ ብሓቂ ዓርከይ ኣይኮንካን፡ ኴንካ'ውን ኣይትፈልጥን። (የሱስ ወይ ወዲ ኣምላኽ ኢዩ ወይ ድማ ሓሳዊ ኢዩ!!!)
9. ባንድወጎን ፋላሲ (ምሳና ሆየ ዘይበለ)
ምስ’ቲ ናይ ባንድወጎን ጌጋ፡ እቲ ተኻታዒ፡ ሓደ ዝተወሰነ ተግባር ህቡብ ምብዃኑ ጥራይ ቅኑዕ’ዩ በሃሊ ኢዩ።
ኣብነት፡ ብርግጽ ወረቐትካ ንምጽሓፍ ክሳብ ናይ መወዳእታ ደቒቕ ምጽባይ ጽቡቕ’ዩ። ኩሉ ሰብ ከምኡ ኢዩ ዚገብር!
10. ኣፒል ቱ ኢግኖራንስ (ኣብ ዘይምፍላጥ ምምርኳስ)
ኣብ ዘይምፍላጥ ምምርኳስ። ሓደ ነገር ሓሶት ምዃኑ ስለ ዘይተረጋገጸ ሓቂ ክኸውን ኣለዎ ዚብል መጎተ’ዩ። ሓደ ነገር ሓቂ ምዃኑ ስለ ዘይተረጋገጸ ሓሶት ክኸውን ኣለዎ ዝብል መጎተ’ውን ኪኸውን ይኽእል’ዩ። እዚ ብኻልእ መገዲ፡ ናይ መርትዖ ተሰካምነት ጌጋ (በርድን ኦቭ ፕሩፍ) ተባሂሉ እውን ይፍለጥ ኢዩ።
ኣብነት፡ ኣብ መኻዚኖና ዝነብራ ደቅሕድርትና ክህልዋ ግድን ኢዩ ምኽንያቱ ኣብ መኻዚኖና ዝነብራ ደቅሕድርትና ከም ዘየለዋ ዘረጋገጸ ሰብ ስለ ዘየለ።
11. ሰርኩላር ኣርጉመንት (ዓንኬላዊ ስነ-ሞጎት ወይ ሸኾርተት)
ዓንኬላዊ ስነ-ሞጎት ማለት ክልቲኡ ቅድመ-ኩነትን መደምደምታን ከም ሓደ ገይሩ ዝጥቀም ስነመጎት እዩ። ሓድሽ ሓበሬታ ወይ ምኽንያት ኣየቐምጥን ኢዩ።
ኣብነት፦ ካብ ኣሕምልቲ፡ ጉዕበርበረ ምብቋል ዝቐለለ እዩ፡ ምኽንያቱ ድማ ካብ ኣሕምልቲ፡ በርበረ ምብቋል ዝቐለለ ስለ ዝኾነ። (መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኢዩ፡ ምኽንያቱ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኢዩ ዚዛረብ)
12. ሳንክ ኮስት ፋላሲ (ናይ ስጋ ኮይኑዎ)።
ኣብዚ፡ እቲ ተኻታዕቲ ንሓደ ፍሉይ ስጉምቲ ንምቕጻል ዝወሰዶ ውሳነ፡ በቲ ድሮ ዘውጽኦ ግዜ ወይ ገንዘብ የመኽንዮ።
ኣብነት፡ እዛ መጽሓፍ’ዚኣ ደስ ኣይበለትንን፡ ግን ገንዘብ ኣጥፊአላ ስለ ዝኾንኩ፡ ኣንቢበ ክውድኣ ኣለኒ።
13. ኣፒል ቱ ፒቲ/ኣብ ርህራሄ ምጽጋዕ
ከምዚ ዓይነት መጎተ፡ እቲ ተማጓታይ ንርእይቶ ሓደ ኣንባቢ ወይ ሰማዒ ብስምዒት ጸልዩ ከእምን ይፍትን።
ኣብነት፡ ንቃለመሕትት ኣብ ሰዓተይ ክርከብ ከም ዝነበረኒ እፈልጥ እየ፡ ግን ደንጉየ ተበራቢረ ብዛዕባኡ ድማ ናይ ብሓቂ ሕማቕ ተሰሚዑኒ፡ ብድሕሪኡ ብምድንጓየይ ብዝተሰምዓኒ ጭንቀት ኣብ ምዝዋር መኪና ንኸተተኩር ኣጸጊሙኒ።
14. ጠንቃዊ ጌጋ።
ጠንቃዊ ጌጋ ማለት፡ ኣብ መንጎ ክልተ ነገራት ሓደ ብጭቡጥ ክረጋገጽ ዘይክእል ዝምድና ክትፈጥር ክትፍትን ከሎኻ ማለት ኢዩ።
ኣብነት፡ መሸጣ ጀላቶ ምስ ዚውስኽ፡ መጥቃዕቲ ሻርክ እውን ብኡ መጠን ይውስኽ ኢዩ። ስለዚ ጀላቶ ምዕዳግ ነቲ ብሻርክ ናይ ምንካስ ዘሎ ሓደጋ ይውስኸሉ ኢዩ።
15. ኣብ ግብዝነት ምምርኳስ
ኣብ ግብዝና ዚምርኮስ መጎተ፡ tu quoque fallacy ተባሂሉ’ውን ዝፍለጥ፡ እዚ ድማ ንሓደ መጎተ ብንቡር መልሲ ዘይኮነስ ብግብረ-መልሲ ነቐፌታ ዝምልሽ መጎተ እዩ።
ኣብነት፦ “ንስኻ ሓድሽ መራሒ ንምዃን እኹል ተመክሮ የብልካን።”
“ንስኻስ መኣስ ኣሎካ!”
እዚ ዝርዝር’ዚ ነቶም ብብዝሒ ዝረኣዩ ስነ-መጐታውያን ጌጋታት ዝሽፍን’ኳ እንተኾነ፡ ምሉእ ኣይኮነን። ካልኦት ስነ-መጐታዊ ጌጋታት ድማ ኣለዉ፡ ንኣብነት እቲ no true Scotsman fallacy (“ደቂ ኒውዮርክ ንፒሳኦም ይዓጽፉዎ ኢዮም፣ ስለዚ ንስኻ ብፎርከታን ማንካን እንተ በሊዕካ ብሓቂ ካብ ኒውዮርክ ኣይኮንካን ማለት ኢዩ።”) ከምኡ’ውን Texas sharpshooter fallacy (cherry-picking data to support a claim rather than... ካብ ሰፊሕ መርትዖታት ተበጊስካ ኣብ ስነ-መጐታዊ መደምደምታ ኣብ ክንዲ ምብጻሕ፡ ነቲ ዘድልየካ መርትዖታት ጥራይ ወሲድካ ወይ ለቒምካ ኣብቲ ዘድልየካ መደምደምታ ምብጻሕ)።
ነዞም ኣብነታት ርኣዩዎም እሞ ነቶም ስነ-መጐታውያን ጌጋታት ክትዕዘብዎም እንተ ኽኢልኩም ፈትኑ፤
• ኣቦይ ናይ ዝያዳ ፍጥነት መቕጻዕቲ ቲከት ስለ እተዋህበኒ ገኒሑኒ፡ ኣነ ድማ ብዛዕባ ኩሉ እቲ ኣብ ናተይ ዕድመ ከሎ ዝኣከቦ ትኬታት ሓተትክዎ።
• ካብ ካልእ ዓለም ዝመጹ ሰባት የለዉን። እንተ ዝገብሩ ነይሮም ኣብዚ እዋን እዚ ሓደ ካባታቶም ምረኣና ነይርና።
• ቀንዲ ትምህርተይ(መጀረይ) ናብ እንግሊዝኛ ክቕይሮ እደሊ’የ፡ ግን ከኣ ናይ ኬሚስትሪ ዲግሪይ ክውድእ ኣዝየ ቀሪበ ኣለኹ።
እዚኣቶም ናይቶም ኣብ መዓልታዊ ዘረባ ዘጋጥሙና ልሙዳት ስነ-መጐታውያን ጌጋታት ኣብነታት ኢዮም (ንምስሉይነት፡ ንዘይምፍላጥ፡ ከምኡ’ውን ንናይ ስጋ ኮይኑኒ ዚምልከቱ ስነመጎታውያን ጌጋታት)። ኣብ ዝቕጽል እዋን ክትዕ ክትሰምዕ ወይ ኣብ ኢንተርነት ዝግበር ዘተ ከተንብብ ከለኻ፡ ብዛዕባ’ቲ ዝቐርብ ዘሎ ስነ-ሞጎት ብጥንቃቐ ሕሰብ’ሞ ምስ ሓደ ካብ’ቶም ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሮም ዘለዉ ስነመጎታውያን ጌጋታት ዝዛመዱ እንተ ኾይኖም ተመልከት።
ኣብ ስራሕካ ስነ-መጐታዊ ጌጋ ንኸይትጥቀም እቲ ዝበለጸ ኣድማዒ መገዲ፡ ነፍሲ ወከፍ እተቕርቦ ስነ-ሞጎት ብጥንቃቐ ምምርማር’ዩ፣ ነፍሲ ወከፍ መጎተ ብሓቅታት ክድገፍ ከም ዝኽእልን ምስ ካልእ ኣብ ስራሕካ ዝሃብካዮ መግለጺታት ከም ዘይጋጮን ንምርግጋጽ ነቲ ኣእምሮኣዊ ናይ ምሕሳብ ስጉምትታትካ ተዓዘቦ። ነዚ ድማ ኣብ ግዜ ናጻ ክትዕን ምውህሃብ ርእይቶን ግበሮ፣ ሽዑ ድልዱላት ሓሳባት ካብ ድኹማት ክትፈልዮምን ኣየናይ ኣብ ወረቐትካ ከተእትዎ ከም ዘለካ ክትመርጽን ትኽእል። ኣብ ትሕቲ ነፍሲ ወከፍ ኣርእስቲ ንእተቕርቦ መጎተ ንምድጋፍ ዘለካ መርትዖታት ብምስትብሃል፡ ሓሳባትካ ምጽዳቕ (ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ድማ ምፍራስ) ቀጽል።
ንርእይቶኻ ጥራይ ኣይትደግፍ፣ በድሃዮ! ተጻራሪ መርገጺ ሒዝካ ትካታዕ ከም ዘሎኻ መሲልካ ነቲ ጉድለታትካ ቅልዓዮን ኣርሞን። ኣብ ጽሑፍካ ስነ-መጐታዊ ጌጋታት እንተ ኣጋጢሙካ፡ ንመርገጺታትካ ዳግማይ ንምህናጽ ግዜ ወሲድካ፡ ብስነ-መጐታዊ መገዲ ቅኑዕ ንኪኸውን ጸዓር። እዚ ማለት ንመጐትካ ብኸመይ ከም እትቐርቦን ከም እትገልጾን ዘሎካ መገዲ ምቕያር ወይ ነቲ ስነ-ሞጎት ባዕሉ ምትዕርራይ ማለት ክኸውን ይኽእል። ስነ-መጐታዊ ጌጋ ምጥቃም ማለት ግድን እቲ ዝካታዕ ዘሎ ሓሳብ ጌጋ’ዩ ማለት ከም ዘይኮነ ኣይትረስዕ - ጭብጢ ዘለዎ ሓቂ ወይ ክትከራኸረሉ እትኽእል ርእይቶ ክኸውን ይኽእል’ዩ፡ ግን ከኣ ብዘይ ስነ-መጐታዊ መገዲ ዝቐረበ ኪኸውን ይኽእል ኢዩ።
ስነ-መጐታዊ ጌጋ እንታይ እዩ?
ስነ-መጐታዊ ጌጋ ብስነ-መጐታዊ መገዲ ኪፈርስ ዝኽእል መጎተ እዩ።
ሰባት ስነ-መጐታዊ ጌጋ ዝጥቀሙ ስለምንታይ እዮም?
ሰባት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ስነ-መጐታዊ ጌጋ ይጥቀሙ። ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት፡ ተዛረብትን ጸሓፍትን፡ ተቓወምቶም ንምክፋእ፡ ወይ ንሓደ ጉዳይ ንምቕላል ወይ ናይ ገዛእ ርእሶም መርገጺ ብሉጽ ንኽመስል ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ፡ ስነ-መጐታዊ ጌጋታት ኮነ ኢሎም ይጥቀሙ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት ድማ ሰባት ንስነመጎታዊ ጌጋ ብዘይ ፍላጥ ይጥቀሙሎም ኢዮም፣ ወይ ድማ ንመግለጺታቶም ብግቡእ ስለ ዘይሓሰቡሉ ወይ’ውን ንምንታይ ስነ-መጐቶም ጉድለት ከም ዘለዎ ስለ ዘይተረድኦም እውን ኪኸውን ይኽእል ኢዩ።
We use cookies to analyze website traffic and optimize your website experience. By accepting our use of cookies, your data will be aggregated with all other user data.