ውልቃዊ ደረታት ኣብቲ ምስ ሰባት ዘሎና ዝምድናታት እንሕንጽጾ ዶባትን መምርሕታትን ኢዮም። ሓደ ጥዑይ ዚብሃል ደረታት ዘለዎ ሰብ፡ ንሰባት ኣይፋልን ኪብል ኣይጽግሞን ኢዩ፡ ግን ድማ ምስ ሰብ ዘለዎ ርክባት ክፉትን ጥቡቕን ኢዩ፡ ከምኡ ንምዃን ድማ ጸገም የብሉን።
ደረትካ ፍለጥ
ኣብ ሓደ ጉዳይ ቅድሚ ምስታፍካ፡ እንታይ ኢዩ ንኣኻ ተቐባልነት ዘለዎ ወይ ዘይብሉ ክትፈልጥ ይግባእ። ብዚከኣል መጠን እቲ እትደልዮ ንጹር ይኹን፡ ከምኡ ምስ ዘይትገብር ካብቲ ዚግበኣካ ንላዕሊ ኣብ እትህበሉ መጻወድያ ክትኣቱ ትኽእል ኢኻ።
ነቶም ክብሪታትካ ፍለጦም
ናይ ሰብ ደረት ካብቲ ናይ ካልእ ሰብ እተፈለየ ኢዩ፡ እዚ ድማ ኣብ ውልቃዊ ክብሪታት እተመርኮሰ ኢዩ። ንኣብነት፡ ንስድራቤትካ ካብ ኩሉ ኣብሊጽካ ምስ እትርኢ፡ እዚ ነቲ ኣብ ስራሕካ ኴንካ ካብ ስድራቤትካ እትድንጉዮ ግዜ ኪጸልዎ ይኽእል ኢዩ። ስለዚ እቲ ንኣኻ ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ነገር ኣለሊኻ፡ ኣኽብሮን ሓሉዎን።
ንስምዒታትካ ስምዓዮም/ኣድህበሎም
ገለ ነገር ምስ ዚህውኸካ ወይ ምስ ዘጽልኣካ፡ ኣይትዕበጦ። እቲ ስምዒታትካ እንታይ ይብለካ ከም ዘሎ ተገዲስካ ስምዓዮ። እቲ ዘጽልኣካ ዘሎ ነገራት ምናልባት ገለ ሰባት ይብለጹልካ ከም ዘለዉ ስለ ዚስምዓካ ኪኸውን ይኽእል ኢዩ።
ነብስኻ ኣኽብር
ንኹሉ ሰብ ሕራይ እትብል እንተ ኾንካ፡ ከምቲ ንኻልኦት እትህቦ ክብሪ ንነብስኻ ትህባዶ ኣሎኻ ዚብል ጥርጠራ ይሃሉኻ። ኣዚዮም ክፉታት ደረታት ዚፍጠሩ ምናልባት ንነብስኻ ኣትሒትካ ንኻልኦት ብምኽባር ዝያዳ ትፍቶ ሰለ ዝመስለካ ኪኸውን ይኽእል ኢዩ።
ኣብ ልዕሊ ካልኦት ከበሬታ ይሃሉኻ
እቲ ተግባራትካ ንውልቀረብሓን ብዋጋ ካልኦት ዝጻወትን ከይከውን ኣረጋግጽ። ምስ ሰባት ዚካየድ ንጥፈታት ብዛዕባ መን ሰዓረ ወይ መን ብዙሕ ወሰደ ኪኸውን ኣይግባእን። ኣብ ኩነታትን ዝምድናን እተመርኮሰ ንኹሉ ፍትሓዊ ዝኾነን መገዲ ምረጽ። ስዒረ ክትብል ትኽእል ኢኻ፡ ግን ከኣ ብጻይነትን ጽቡቕ ሌላን ኣጥፊእካ ክትከውን ትኽእል ኢኻ።
ጽኑዕ እምበር ተወላዋሊ ኣይትኹን
ደረትካ ምሕንጻጽ ኣብ ዘድልየሉ ግዜ፡ ኣይትሸገር። ክብረት ብዝመልኦ መገድን ብዘይ ተወላዋልነትን ኣይፋልን በል። ነቲ ደረታትካ እናገለጽካ ክትላዘብ ምስ እትደሊ፡ ፈትን። ከምዚ ብምግባር ነቲ ኣይፋልን ዚብል መልሲ ከተፍኩሶ ትኽእል ኢኻ፡ ነቶም ኣብቲ ጉዳይ ዚሳተፉ ሰባት ድማ ክብረት ተርእዮም ኣሎኻ ማለት ኢዩ።
ኣርሒቕካ ንምርኣይ ሸለል ኣይትበሎ
ሓድሓደ ግዜ ካብቲ እትወስዶ እቲ እትህቦ ይበዝሕ ኢዩ፡ ካልእ ግዜ ድማ እቲ እትወስዶ ካብቲ እትህቦ ይበዝሕ ኢዩ። እቲ ዝሓሸ ግን ናይቲ ዝምድናታት ዘላቕነት ምርኣይ ኢዩ። ግን ኩሉ ግዜ ንስኻ ጥራይ ወሃብን ወይ ድማ ወሳድን ምስ እትኸውን፡ ገለ ጸገማት ኣሎ ማለት ኢዩ።
ውልቃዊ ደረት
ድምጺ : ፊቢ ኢዮብ
We use cookies to analyze website traffic and optimize your website experience. By accepting our use of cookies, your data will be aggregated with all other user data.