ወልፊ: ሓደ ዘደንዝዝ ድሮጋ ይጎድኣካ ምዃኑ እናፈለጥካ ቀጻሊ ብምውሳድ ዚፍለጥ ሕማም፡ እዚ ድማ ናይ ዝውተራ ፋሉልነትን፡ ናይ ጥዕና ጸገማትን ወይ ኣሉታዊ ማሕበራዊ ሳዕቤናትን የኸትል።
ምልክታት ወልፊ ኣብ ኣጠቓቕማ ዓይነታት ድሮጋ ምቁጽጻር ምስኣን
- ነቲ ድሮጋ ካብ መጠኑ ንላዕሊ ከተዘውትሮ ከሎኻ
- ነቲ ድሮጋ ንምቕናስ ኪጽግመካ ከሎ
- ኣብ ምርካብን ምዝውታርን ወይ ድማ ካብ ድሮጋ ናጻ ንምዃንን ዚጠፍእ ግዜ
- ቃሕታ ምህላው፥ ድሮጋ ንምዝውታር ብርቱዕ ባህጊ ምህላው
ማሕበራውንl / ሞያውን ጸገማት
- ኣብ ስራሕካን ቤትትምህርትን ወይ ኣብ ገዛ ኣድላዪ ግዴታታት ዘይምፍጻም
- ብቐጻሊ ዝውተራ ድሮጋ ዚስዕብ ማሕበራዊ ጸገማት
- ነቲ ኣገዳሲ ማሕበራዊ ወይ ሞያዊ ንጥፈታት በብቕሩብ ምጕዳል ወይ ፈጺምካ ምቍራጽ
ኣስጋኢ ኣጠቓቕማ
- ነቲ ድሮጋ ኣብቲ ንኣካል ሓደገኛ ዚኾነሉ ኩነታት ምዝውታሩ
- ብቐጻሊ ዝውተራ ድሮጋ ዚስዕብ ኣካላውን ስነልቦናውን ጸገማት
ኣካላዊ ሳዕቤናት
- ተጻዋርነት ምፍጣር፥ ምእንቲ ናብቲ ኣትደልዮ ናይ ምምርቃን ደረጃ ክትበጽሕ፡ ዝያዳ ድሮጋ ምውሳድ
- ተመክሮ ምንስሓብ፥ ነቲ ድሮጋ ምስ ገደፍካዮ ዚኽሰት ኣካላውን ስነልቦናውን ምልክታት ሕማም
ሓቅታት ወልፊ
- ወልፊ፡ ሕማም ኢዩ። ኣብ ናይ ሓንጎልካ ቅርጽን ንጥፈትን ለውጢ የኸትል። እዚ ግን፡ ብድኹም ግዝኣተነብስን ብልሹው ባህርያትን ዚመጽእ ኣይኮነን።
- ወልፊ ኪብሃል ከሎ ቀስ ኢሉ ከየስተብሃልካሉ ዚመጽእ ሕማም ኢዩ። ብዙሓት ሰባት፡ ወልፊ እናሃለዎም ከሎ ኣብ ገለ ክፋል ህይወቶም ጽቡቕ ዚነጥፉ ኣለዉ፡ ኣብ ገሊኡ ክፋል ህይወቶም ግን ጸገም የጓንፎም ኢዩ።
- ምድጋስ (relapse)ማለት ንሓደ ድሮጋ ኣቋሪጽካዮ ምስ ጸናሕካ ክትምለሶ ከሎኻ ማለት ኢዩ። ሰተት ምባል (lapse) ግን ናብቲ ናይ ቅድም ኣብ ድሮጋ ዝነበረካ ናይ ዝውተራ ኣገባባት ከይተመልስካ ስሕት ኢልካ ምዝውታር ማለት ኢዩ።
- ኣብቲ እትሓውየሉ ግዜ፡ ናይ ምድጋስ ኣጋጣሚታት ኣሎ፡ ናይ ነዊሕ ግዜ መስርሕ ከኣ ኢዩ። እቶም ኣብ ግዜ ምሕዋይ ዚርከቡ ሰባት፡ ኣብ እዋን ጭንቀት ናብቲ ዝለመዱዎ ድሮጋ ንኺምለሱ ዘሎ ተኽእሎ ኣዚዩ ዓቢ ኢዩ።