ጭንቀት (Anxiety)
ኣብ ኣመሪካ፡ ጭንቀታዊ ቀውሲ ኣዚዩ ግኑን ናይ ኣእምሮ ሕማም ኢዩ። ልዕሊ 40 ሚልዮን ኣባጽሕ (19.1%) ጭንቀታዊ ቀውሲ ኣለዎም። ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ኣስታት 7% (3-17 ዝዕድሚኦም ህጻናት) ኣብ ዓመት በዚ ሕማም'ዚ ይሳቐዩ። ዝበዝሑ ሰባት ቅድሚ 21 ዕድሚኦም ናይቲ ሕማም ምልክታት የርእዩ።
ምልክታት ሕማም
ጭንቀታውያን ቀውስታት፡ ዚማሳሰሉ ዓይነት ሕማማት ኢዮም፡ ነፍስወክፎም ድማ ፍሉይ ምልክታት ኣለዎም። ይኹንምበር፡ ኩላቶም ጭንቀታውያን ቀውስታት ሓደ ሓባራዊ ረቛሒ ኣለዎም፥ ኣብቲ ዘሻቕል ዘይብሉ ኩነታት፡ ቀጻልን ደረት ዘይብሉን ፍርህን ሻቕሎትን ምርኣይ። እቶም ግዳያት ካብዞም ዚስዕቡ ምልክታት ገለ የርእዩ እዮም፥
ስምዒታውያን ምልክታት፥
- ፍርህን ራዕድን
- ገርጨውጨው ምባል
- ምህዋኽን ጸርጸር ምባልን
- ሕማቕ ኪጓነፈኒ ኢዩ ብምባል ብዘይ ምኽንያት ንምልክታት ሓደጋ ኣቓልቦ ምሃብ
ኣካላውያን ምልክታት፥
- ቅልጣፈ ትርግታ ልብን ሕጽረት እስትንፋስን
- ምርሃጽ፡ ምንቅጥቃጥን ናይ ጭዋዳታት ዘይስሩዕ ምጭብባጥን
- ሕማም ርእሲ፡ ድኻምን ስእነት ድቃስን
- ናይ ከስዐ ዕግርግርን ተደጋጋሚ ምሻንን ውጽኣትን
ናይ ራዕዲ መጥቃዕቲ (panic attacks) እንታይ ኢዩ?
ናይ ራዕዲ መጥቃዕቲ፡ ሓጸርቲ ግን ብፍርህን ስግኣትን ዝመልኡ ኣጋጣሚታት ኢዮም። ናይ ራዕዲ መጥቃዕቲ ካብ ስግኣትን ሻቕሎትን ንላዕሊ ኢዩ፡ ስለ ዝኾነ ድማ ኣካላዊ ምልክታት እውን የርእይ ኢዩ። ኣብ ግዜ ራዕዳዊ መጥቃዕቲ፡ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ልቦም ከይትጠልሞም፡ ወይ ምስትንፋስ ከይስእኑን ከይሞቱን ይፈርሁ።
ምልክታት መጥቃዕቲ ራዕዲ
ኣስተውዕል: መጥቃዕቲ ራዕዲ ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ምልክታት ብምሉኡ ኪጥርንፍ ኣየድልን።
- ዱግ ዱግ ዚብልን ቅልጡፍን ትርግታ ልቢ
- ምርሃጽ
- ፈጥፈጥን ቀጥቀጥን ምባል
- ከይትጽለል ምፍራህ
- ካብ ክዉነንት ዝወጻእካ ይመስለካ
- ምስትንፋስ ይጽግመካ
- ብርቱዕ ስምባደን ናብ ሞት ትቐርብ ዘሎኻን ኮይኑ ይስመዓካ
- ኣብ ኣፍልብኻ ቃንዛ ይስመዓካ፡ ጽቡቕ ኣይስመዓካን
- ዕግርግር ይብለካ
- ከይትመውት ትፈርህ
ሓቅነታት መጥቃዕቲ ራዕዲ
- መጥቃዕቲ ራዕዲ ዘሰምብድ ይመስል ግን ኣካላዊ መጕዳእቲ ኣየኸትልን ኢዩ። እቲ ምስ መጥቃዕቲ ራዕዲ ዚተኣሳሰር ፍርሂ (ልብኻ ምጥላምን ውነኻ ምስሓትን) ኣስጋኢ ኣይኮነን።
- ናይ ራዕዲ መጥቃዕቲ ሓጺር ግን ብርቱዕ ኢዩ። እቲ ምልክታት ራዕዲ ኣብ ውሽጢ 10 ደቓይቕ ናብ ጥርዙ ይበጽሕ፡ ኣብ ውሽጢ ፍርቂ ሰዓት ድማ ይጠፍእ። ይኹንምበር ገለ ምልክታት ካብ ሰዓት ንላዕሊ ይቕጽሉ ኢዮም።
- መጥቃዕቲ ራዕዲ ሕልፍ ሕልፍ ኢሎም ዚኽሰቱ ይመስሉ፡ ይኹንምበር ምስ ገለ ፍሉጥ ምንጪ ሻቕሎት እተተሓሓዙ ኢዮም፡ ማለት ማኪና ክትዝውር ከሎኻ፡ ኣብ ጽቕጥቕጥ ዘለዎ ቦታታት፡ ወይውን ካብ ገዛ ክትብገስ ከሎኻ።
- ናይ ራዕዲ ሕማም ወይ ጸገማት፡ እቲ ሰብ ብዛዕባ ዚመጽእ ናይ ራዕዲ መጥቃዕቲ ኪሓስብ ከሎ ኢዩ ዚለዓል፡ ወይ ድማ ካብቲ ራዕዲ ንምህዳም ኢሉ ባህርያቱ ኪቕይር ከሎ (ንኣብነት ካብቲ ዘፍርሆ ኩነታት ኪርሕቕ ኪፍትን ከሎ)።
ምንጪ: NAMI (ሃገራዊ ሕብረት ኣእምሮኣዊ ሕማም National Alliance on Mental Illness)