ጭንቀት (Anxiety)
ኩልና ብጭንቀት ንሓልፍ ኢና። ንኣብነት፡ ኣብ ቅድሚ ሰባት ደው ኢልካ ምዝራብ ኪርብሸና ይኽእል ኢዩ፡ ግን ከኣ ከምኡ ብምዃኑ ንኽንዳሎን ንኽንለማመድን ይሕግዘና። ኣብ ብዙሕ ተሽከርከርቲ ዘለዎ ጎደና፡ ማኪና ምዝዋር ካልእ ምንጪ ጭንቀት ኪኸውን ይኽእል ኢዩ። ይኹንምበር፡ ምእንቲ ካብ ሓደጋ ከነምልጥ፡ ንቑሓትን ጥንቁቓትን ከም እንኸውን ይገብረና። ግን፡ እቲ ፍርህን ራዕድን ካብ መጠኑ ምስ ዚሓልፍን መዓልታዊ ዕዮና ካብ ምግባር ምስ
ዚዓግተናን፡ ሽዑ እቲ ምንጪ፡ ናይ ጭንቀት ቀውሲ ምዃኑ ክንፈልጥ ይግባእ።
ኣብ ኣመሪካ፡ ጭንቀታዊ ቀውሲ ኣዚዩ ግኑን ናይ ኣእምሮ ሕማም ኢዩ። ኣብ ኣመሪካ ልዕሊ 40 ሚልዮን ኣባጽሕ (19.1%) ጭንቀታዊ ቀውሲ ኣለዎም። ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ኣስታት 7% 3-17 ዝዕድሚኦም ህጻናት ኣብ ዓመት በዚ ሕማም'ዚ ይሳቐዩ። ዝበዝሑ ሰባት ቅድሚ 21 ዕድሚኦም ናይቲ ሕማም ምልክታት የርእዩ።
ምልክታት ሕማም
ጭንቀታውያን ቀውስታት፡ ዚማሳሰሉ ዓይነት ሕማማት ኢዮም፡ ነፍስወክፎም ድማ ፍሉይ ምልክታት ኣለዎም። ይኹንምበር፡ ኩላቶም ጭንቀታውያን ቀውስታት ሓደ ሓባራዊ ረቛሒ ኣለዎም፥ ኣብቲ ዘሻቕል ዘይብሉ ኩነታት፡ ቀጻልን ደረት ዘይብሉን ፍርህን ሻቕሎትን ምርኣይ። እቶም ግዳያት ካብዞም ዚስዕቡ ምልክታት ገለ የርእዩ እዮም፥
ስምዒታውያን ምልክታት፥
ኣካላውያን ምልክታት፥
ምንጪ: NAMI (ሃገራዊ ሕብረት ኣእምሮኣዊ ሕማም National Alliance on Mental Illness)
ናይ ራዕዲ መጥቃዕቲ (panic attacks)እንታይ ኢዩ?
ናይ ራዕዲ መጥቃዕቲ፡ ሓጸርቲ ግን ብፍርህን ስግኣትን ዝመልኡ ኣጋጣሚታት ኢዮም። ናይ ራዕዲ መጥቃዕቲ ካብ ስግኣትን ሻቕሎትን ንላዕሊ ኢዩ፡ ስለ ዝኾነ ድማ ኣካላዊ ምልክታት እውን የርእይ ኢዩ። ኣብ ግዜ ራዕዳዊ መጥቃዕቲ፡ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ልቦም ከይትጠልሞም፡ ወይ ምስትንፋስ ከይስእኑን ከይሞቱን ይፈርሁ።
ምልክታት መጥቃዕቲ ራዕዲ
ኣስተውዕል: መጥቃዕቲ ራዕዲ ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ምልክታት ብምሉኡ ኪጥርንፍ ኣየድልን።
ሓቅነታት መጥቃዕቲ ራዕዲ
ምልክታት ጭንቀት
ጭንቀት ሓደ ካብቲ ኣካላትና ንጠለባት ህይወትና ዚህቦ ግብረመልሲ ኢዩ። ሒደት ጭንቀት ደሓን ኢዩ - ጥንቁቓትን ኣድማዕትን ይገብረና። ይኹንምበር፡ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ጭንቀት ይበዝሕ ኢዩ። ኣመና ጭንቀት ድማ ኣካላውን ጥዕናውን ባህርያታውን ምልክታት ሕማም የስዕብ ኢዩ።
ኣካላዊ ስምዒታዊ ንባህሪ ወይ ጠባይ ዚምልከት:
ድኻም
ጸገማት ምድቃስ
ቃንዛ ከብዲ
ቃንዛ ኣፍልቢ
ቅርጥማትን ወጥርን
ሕማም ርእስን መርዘንን
ናይ ምሕቃቕ መግቢ ጸገማት
ዕግርግር ይብለካ
ኣመና ትርህጽ
ኣካላትካ ተኸላኻልነቱ የጉድል
ክሳድካን ሕቖኻን የቐንዝወካ
ሕልናኻ ይዓርብ
ቀጨውጨውን ገርጨውጨውን
ይበዝሕ
ሻቕሎት
ቃዝኖትን ጓህን
ህድኣት ትስእን
ኣብ ሓደ ነገር ምትኳር ትስእን
መንፈስካ ይህወኽ
ወሲባዊ ሸውሃት ይጎድል
ዘይጥዑይ ኣበላልዓ (ይብዝሕ ወይ
ይውሕድ)
ድሮጋን ኣልኮልን ምጥቃም
ካብ ማሕበረሰብ ምንስሓብ
ጽፍርኻ ብስንኻ ምቑርማም
ብዛዕባ ዘጨንቑኻ ነገራት ቀጻሊ
ምሕሳብ
We use cookies to analyze website traffic and optimize your website experience. By accepting our use of cookies, your data will be aggregated with all other user data.