ነፍሰቅትለት ማለት ሰባት ንህይወቶም መወዳእታ ኪገብሩሉ ብማለት ንነብሶም ኪጎድኡ ከለዉ ኢዩ፡ ሳዕቤኑ ድማ ሞት ኢዩ። ፈተነ ነፍሰቅትለት ግን ሰባት ንህይወቶም መወዳእታ ንኺገብሩሉ ብማለት ነብሶም ኪጎድኡ ከለዉ ግን ድማ ብሰንኩ ከይሞቱ ኪተርፉ ከለዉ ኢዩ።
ኣጠንቀቕቲ ምልክታት
ሰባት ነብሶም ንምቕታል ይዳለዉ ከም ዘሎ ዚሕብሩ ምልክታት ነዞም ዚስዕቡ ይጥርንፍ፥
ሓደ ሰብ ነብሱ ኪቐትል ይዳሎ ከም ዘሎ ዚሕብሩ ካልኦት ዘሰምብዱ ኣጠንቀቕቲ ምልክታት ድማ ነዞም ዚስዕቡ ይጥርንፉ፥
ነፍሰቅትለት ንጭንቀት ዚፈትሕ ጥዑይ ግብረመልሲ ከም ዘይኮነ ምዝካሩ ኣገዳሲ ኢዩ። ነፍሰቅትለታውያን ሓሳባት ወይ ተግባራት ምልክታት ከቢድ ጭንቀት ኢዮም፡ ሸለል ኪብሃሉ ድማ የብሎምን።
እዞም ኣጠንቀቕቲ ምልክታት ንኣኻ ወይ ንብጻይካ ይምልከቱዎ እንተ ኾይኖም፡ ብዚከኣል መገዲ ብቕልጡፍ ረድኤት ድለ፡ ብፍላይ ከምዚ ዝበለ ባህርያት ሓዲሽ ምስ ዚኸውን ወይ ድማ ኣብ ቀረባ ግዜ እናበርትዐ ዝመጽአ እንተ ኾይኑ::
1. ሕተት፥ “ነፍስኻ ንምቕታል ዲኻ ትሓስብ ዘሎኻ?” ቀሊል ሕቶ ኣይኮነን፣ ግን መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ ነቶም ኣብ ገምገም ሓደጋ ዘለዉ ውልቀሰባት ናይ ነፍሰቅትለት ዝንባለ ኣሎኩም ዲዩ ኢልካ ምሕታት ነቲ ፍጻመታት ኮነ ነቲ ሓሳባት ነፍሰቅትለት ኣይውስኸሉን ኢዩ።
2. ውሕስነቶም ሓሉ፥ ነቲ ኪቐትል ዚኽእል ነገራት ካብቲ ናይ ነፍስቅትለት ዝንባሌ ዘለዎ ሰብ ከም ዚርሕቕ ምግባሩ ሓደ ካብቲ ንነፍሰቅትለት ኪከላኸል ዚኽእል ኣገባብ ኢዩ። ሽሕኳ እዚ ኩሉ ግዜ ቀሊል እንተ ዘይኮነ፡ ነቲ ናይ ነፍሰቅትለት ዝንባለ ዘለዎ
ሰብ ገለ መደብ እንተ ኣለዎ ምሕታትን ነቲ ኪቐትል ዚኽእል ነገራት ድማ ካብኡ ምርሓቕን ፍልልይ ከምጽእ ይኽእል ኢዩ።
3. ምስኦም ኩን፥ ኩሉ ግዜ ነቲ ነብሱ ኪቐትል ድሉው ዝኾነ ሰብ እንታይ ይሓስብን ይስምዖን ከም ዘሎ ንምፍላጥ ጽን ኢልካ ስምዓዮ። መጽናዕቲ ከም ዚሕብሮ ነቲ ናይ ነፍሰቅትለት ኩነታት ከይፈራህካ ምቕባሉን ብዛዕባኡ ምዝራብን፡ ነቲ ናይ ነፍሰቅለት ሓሳባት የጕድሎ እምበር ኣየዛይዶን ኢዩ።
4. ምስ ደጋፊ ኣካል ኣራኽቦም፥ ነዞም ዚስዕቡ ቁጽርታት ኣብ ተለፎንካ ሓዞምን ዘክሮምን እሞ ምስ ዘድልዩ ቀልጢፍካ ክትጥቀመሎም ክትክእል ኢኻ National Suicide Prevention Lifeline (1-800-273-TALK (8255)) ከምኡውን Text Line (741741) ከምኡውን ምስ ሓደ እትኣምኖ ሰብ፡ ከም ኣባል ቤተሰብ፡ ዓርኪ፡ መንፈሳዊ ኣማኻሪ፡
ወይ ናይ ኣእምሮ ሕክምና በዓልሞያ ርክብ ግበር።
5. ኩሉ ግዜ ምስቶም ኪሕግዙኻ ዚኽእሉ ርክባት ይሃሉኻ፥ ድሕሪ እቲ ሓደገኛ ኩነት ወይ ድሕሪ ካብ ሆስፒታል ምውጻእ፡ ርክብካ ምቕጻል ብዙሕ ጥቕሚ ኣለዎ። መጽናዕታት ከም ዚሕብሩዎ ሓደ ሰብ ነቲ ኣብ ገምገም ነፍሰቅትለት ዘሎ ሰብ ምስ
ዚከታተሎን ምስ ዚድግፎን እቲ ናይ ነፍሰቅትለት ፍጻመታት ይጎድል ኢዩ።
ረቛሒታት ሓደጋ
ነፍሰቅትለት ነዚ ኣይብል ነቲ ኣይብል ንኹሉ ኢዩ ዘጥቅዕ። ንኹሉ ሰብ፡ ብዘይ ኣፈላላይ ጾታ፡ ዕድመ፡ ዓሌት የሰንፎ።
ነፍሰቅትለታዊ ባህርይ እተሓላለኸ ኢዩ፡ ሓደ ዓይነት መበገሲ ድማ የብሉን። ቀንዲ ኣስጋእቲ መበገሲታት ግን እዞም ዚስዕቡ ኢዮም፥
ኩሎም እቶም ረቛሒታት ሓደጋ ዘለዎም ሰባት ኣይኮኑን ነፍሰቅትለት ዚፍትኑ፡ መን ነቲ ነፍሰቅትለታዊ ሓሳባት ከም ዘተግብሮ ኪፍለጥ ኣይከኣልን። ሽሕኳ ናብ ነፍሰቅትለት ዝጠመቱ ረቛሒታት ሓደጋ ኣገደስቲ እንተ ኾኑ፡ ሓደ ካብቶም ናይ ነፍሰቅትለት ኣጠንቀቕቲ ምልክታት ዘርእይ ሰብ፡ ኣብ ሓደጋ ኪወድቕ ይኽእል ኢዩ፡ ስለዚ ድማ ቅልጡፍ ምትሕብባር ወይ ሓገዝ የድልዮ ኢዩ።
ብጭንቀት ዝመልአ ህይወት (ከም ሞት ኣባል ስድራቤት፡ ናይ ቤትፍርዲ ክስታት ወይ ገንዘባዊ ሰለሎ) ከምኡውን ኣብ መንጎ ሰባት ዚፍጠሩ ኣጨነቕቲ ነገራት (ከም ውርደት፡ ቀጻሊ ሞኽ ምባልን ምግፋዕን ኣድልዎን ወይ ድማ ናይ ሓዳር ባእስታት) ንነፍሰቅትለት የቃልዑ ኢዮም፡ ብፍላይ ኣብቲ ናይ ነፍሰቅትለት ምድንዳናት እዋን ኪኽሰቱ ከለዉ። ዝበዝሕ ግዜ ነቶም ናይ ነፍሰቅትለት ኣጠንቀቕቲ ምልክታት ዘስተብህሉ፡ መጀመርያ ኣባላት ስድራቤትን ኣዕሩኽን ኢዮም፡ ስለ ዝኾነ ድማ ነቲ ግዳይ ንኺሕግዙ ኪብገሱን ናይ ኣእምሮ ሕክምና ኪረኽቡሉን ይኽእሉ ኢዮም።
ምንጪ: NIH (ሃገራዊ ትካል ኣእምሮኣዊ ጥዕና National Institute of Mental Health)
ቀዳማይ ክፋል
ካልኣይ ክፋል
We use cookies to analyze website traffic and optimize your website experience. By accepting our use of cookies, your data will be aggregated with all other user data.