ማሪታውያን እምነታትን መናፍስትን
እዞም ኣብዚ ጽሑፍ'ዚ ኪግለጹ ቀሪቦም ዘለዉ ማሪታውያን ልምድታትን እምነታትን፡ ብፍላይ ካብ 70ታት ንድሕሪት ኣብ ኤርትራ ግኑናት ዝነበሩ ኢዮም። ካብ መወዳእታ 70ታት ንደሓር ግን እናሃሰሱ ከይዶም። ይኹንምበር፡ እናሃሰሱ ክኸዱ ከለዉ ብድጉል መገዲ ካብቲ ናይቲ ሕብረተሰብ ኣእምሮ ፈጺሞምሲ ኣየልገሱን። ያታን ልምድን ባህልን ብሓደ ግዜ ዚጠፍእ ክስተት ስለ ዘይኮነ ድማ፡ እዚኣቶም ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ቅልቅል ምባሎም ኣይተረፈን ዚተርፍ ድማ ኣይኮነን።
ካብዞም ማሪታውያን እምነታት ወይ ልምድታት ገለ ንምጥቃስ፡ ነዞም ዚስዕቡ ክረቑሕ እደሊ፥
ቆለ
እዚ ሕማም'ዚ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ደቀንስትዮ ዚረአ እኳ እንተ ኾነ፡ ንደቂተባዕትዮ እውን ይሕዞም ኢዩ። እቲ ነዚ ሕማም እተቓለዐ ሰብ ንሱ ዘይኮነስ እቲ ዝሓዞ መንፈስ ኢዩ ዚዛረብ። መጀመርያ እቲ ሰብ የጉርዕ የንጸርጽር ይፍክር ወዘተ። ነዚ ዚገብር ዘሎ እቲ እኩይ መንፈስ ኢዩ። ሽዑ እቶም ምስቲ ሕሙም ዘለዉ ሰባት፡ መሓሮ እናበሉ ይልምኑ። እቲ ሕሙም ዝደለዮ ምስ ረኸበ ድማ እቲ እኩይ መንፈስ ይገድፎ። ይኹንምበር፡ በቲ ዝረኸቦ እንተ ደኣ ዘይዓጊቡ፡ እቲ እኩይ መንፈስ ከም ብሓድሽ ይሕዞ፡ ምእዛዙ ድማ ይቕጽል። እቲ እተኣዘዘ ነገራት እንተ ዘይተረኺቡ ድማ እቲ መንፈስ ነቲ ሕሙም ከም ዘጉርዕ ይገብሮ፡ ክሳዕ ዝደለዮ ዚረክብ። ኣብዚ ኩነታት'ዚ እቲ ሕሙም ኣብ ዓራት ደቂሱ ይውዕልን ይሓድርን፡ ናብ መዓልታዊ ስርሑ ድማ ኣይከይድን።
ውቃበ
ውቃበ፡ ንእሽቶ ቆለ ኢዩ። ብዙሕ ኣዕናዊ'ውን ኣይኮነን። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 13-20 ዘለዉ መንእሰያት ይረአ። እቶም ግዳያት፡ እቲ ሕማም ኪሕዞም ከሎ ቅሩብ ሒሕ ይብሉ ግን ኣየጕርዑን። ገለ ካብቲ መለለዪኦም ድማ ጸጕርኻ ምጕታን፡ ኣብ ጎተናኻ ሚዶ ምስኳዕ፡ ኣብ ኣእዛንካ ስቝሬን ወይ ኩርሽ ምውዳይ፡ ምውቃጥ፡ ሽራራ ምዕጣቕ፡ ጓይላን ትልሂትን ምዝውታር፣ ክራር፡ መሰንቆ፡ ሻምብቆ ምጽዋት ወዘተ. ኢዩ።
እዚ ሕማም'ዚ ኣብ ደቀንስትዮ መንእሰያት ኪኽሰት ከሎ ግን ካብቲ ናይ ደቀተባዕትዮ ፍልይ ዝበለ ባህርያት ኢዩ ዚረአየለን። እቲ ቀንዲ መለለዪአን ድማ ኣብ እተፈላለየ ሕብርታት ዘለዎ ክዳውንቲ፡ ሳእኒ፡ ሕዛብ፡ ወለባ፡ ሚለን፡ ዝብጦ፡ መስቀል ወዘተ. ዘለወን ፍትወትን ልግበትን ኢዩ። ብሓፈሻ እቲ ሕማም ኣብ ኣመና ምጽብባቕን ምስልላምን እተወሰነ ይመስል። እቲ ናይ ምጽብባቕን ምስልላምን ድሌትካ ምስ ዘይዓግብ ድማ፡ ነቲ ዝተመነኻዮ ንምርካብ ብእተፈላለየ ኣገባብ ክትሓተሉን ክትቃለሰሉን ትግደድ።
ቡዳ፡ ሓሳድ ዓይኒ፡ ጠቢብ
እዚኣቶም ሰለስቲኦም ተመሳሰልቲ ኪኾኑ ከለዉ፡ ገለ ፍልልያት ግን ኣለዎም። ብሓፈሻ ኪረአ ከሎ፡ ሰለስቲኦም መናፍስቲ፡ ናይ ሰብ ጽቡቕ ዘይደልዩ ቀናኣትን ኣዕነውትን ኢዮም። ኪሕዙኻ ከለዉ ድማ ኣዒንቶም ኢዮም ዚጥቀሙ። ከም ብሂል፡ እቲ መንፈሶም ብዓይንኻ ገይሩ ኣብ ኣእምሮኻ ምስ ኣተወ፡ ቅርጸት ይጅምረካ። እቲ ቅርጸት እናገደደ ምስ ከደ ድማ ነብስኻ ክትቆጻጸር ኣይትኽእል።
1. ቡዳ
ቡዳ፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ፡ ነቲ ግዳይ ምስ ሓዞ፡ ኩሎም ቤተሰብን ጎረባብትን ተኣኪቦም ከርበ ንኺዓጥኑዎ ይቀራረቡ። ሓይሊ ብምዝውታር ኣብ ቁጽጽሮም ምስ ኣእተዉዎ ድማ፡ ብኮቦርታ ደባዲቦም ትኪ ከም ዘይወጽእ ገይሮም ይዓጥኑዎ። ብትኪ ዓቕሉ ጸቢቡዎ ከዕገርግር ምስ ጀመረ፡ ተዛረብ፡ መን ኢኻ፡ ስለምንታይከ ሒዝካዮ? ብምባል ኪሓቱዎ ይጅምሩ። እቲ ግዳይ ብዘይፈልጦ ልሳናት ኪዛረብ ይጅምር። እቶም ከቢቦምዎ ዘለዉ ድማ ምሓር እናበሉ ምዕጣኖም ይቕጽሉ። ምሒረ ዚብል ድምጺ ምስ ተሰምዐ፡ ነቲ ምዕጣን የቋርጹዎ፡ ኣምሒሎም ድማ ይለቁዎ። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ግዳይ፡ ነቲ ኩሉ ኣብኡ እተሳተፈ ሰብ ይቕረታ ኪሓትት ይውከሱዎ። ሽዑ እቲ ግዳይ፡ ብጥዕንኡ ከሎ ከልዕሎ ኢዩ ኢልካ ዘይሕሰብ ረዚን ነገር ኣብ ዝባኑ ተሰኪሙ፡ እናዞረ ንኹሉ ሰብ ይቕረታ ይሓትት። በዚ ድማ እቶም ዓጠንቲ ይዓግቡ እሞ፡ እቲ ግዳይ ከም ዝሓወየ ይገልጹ። ይኹንምበር፡ እቲ ግዳይ ንሓደ ሰሙን ኣብ ዓራት ኢዩ ዚጸንሕ፡ ንኺሓዊ ድማ ግዜ ይወስደሉ ኢዩ። ምስ ዘይሓዊ ግን፡ እታ እንኮ መፍትሔ ወይ ፈውሲ ነቲ ቡዳ ኢዩ እትብሎን ነቲ ግዳይ ሒዙዎ ኢዩ ኢልካ ንእትጥርጥሮን ሰብ ኣብ መቀመጫኡ ብመስፈ ጌርካ ምውጋእ ኢዩ። ሽዑ ኢዩ እቲ ሕሙም ከም ዝሓወየ ዚእመነሉ።
2. ሓሳድ ዓይኒ (ዓያኒ)
እቲ ምልክታት ከምቲ ኣቐዲሙ እተገልጸ ኮይኑ፡ እቲ መጥቃዕቲ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ምጩዋትን፡ ተፈተውቲ ህጻናትን፡ መራዕውትን ዘተኮረ ኢዩ። እቲ ናይቲ መጥቃዕቲ ምንጪ ኪፍለጥ ኣይከኣልን። ዝኾነኾይኑ፡ እቲ ዓያኒ ከጥፍኣካ ጥራይ ኢዩ ዚሰርሕ። እቲ ስርሑ ሸይጣናዊ ብምዃኑ፡ ምሕረት ኣይፈልጥን ኢዩ። ከምዚ ብምዃኑ፡ እቲ እንኮ መፍትሒ ናብ ደብተራ ምኻድ ኢዩ።
እቲ ግዳይ ህጻን ምስ ዚኸውን፡ እንቋቝሖ ሒዝካ ናብቲ ዓይነት ዚቐልዕ ደብተራ ትኸይድ። ሽዑ እቲ ደብተራ ነቲ እንቋቝሖ ምስጢራዊ ጸሎታት ይደግመሉ፡ ገለ ሓዋዊሱ ድማ ኣብ መንበስበስታ ናይቲ ህጻን ይኽዕዎ። እቲ እተኻዕወ ሕውስዋስ፡ እናዓፈረ ጸሊም ሕብሪ ምስ ዘውጽእ፡ እቲ ደብተራ ነዚ ምርኩስ ብምግባር ነቲ ህጻን መን ከም ዝዓየኖን፡ ከም ዝሓወየን ኪነግረካ ይኽእል። እቶም ግዳያት መራዕውትን ዓበይቲ ሰባትን ምስ ዚኾኑ ግን፡ እቲ ደብተራ ፍሉይ ማሪታዊ ሕክምና ኪገብር ይግደድ።
3. ጠቢብ
ናይ ጠቢብ ግዳያት ልክዕ ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቅሰ ምልክታት የርእዩ ኢዮም፡ ይኹንምበር ቅሩብ ፍልልይ ኣለዎ። እቲ ናይቲ ግዳይ ኣጥቃዒ፡ ሱር ዚመስል ንሽሕር ዚጥቀመሉ ነገር ኣለዎ፡ ነቲ ግዳይ ድማ ኣብቲ ዝደለዮ ግዜ ኣብ እዋን ለይቲ ይጽውዖ። እቲ ግዳይ ናብኡ ምስ ከደ፡ እቲ ጠቢብ ብሻቦጥ ገይሩ ይሃርሞ'ሞ፡ እቲ ግዳይ ናብ ኣቕሓ ገዛ ወይ ናብ እንስሳ ዘቤት ይልወጥ።
እቶም በዚ ሽሕር'ዚ ሰቦም ዚጠፍኦም ቤተሰብ ወይ ኣዝማድ፡ ነቲ ዚጥርጥሩዎ ጠቢብ ብለይቲ ኣኽቢቦም ኪሕዙዎ ይፍትኑ፡ይኹንምበር፡ እቲ ጠቢብ ናብ ዝብኢ ስለ ዚልወጥ፡ ምሉእ ለይቲ ደልዮም ተስፋ ቆሪጾም ኢዮም ንቤቶም ዚምለሱ።
ዛር
ዛር ኪብሃል ከሎ፡ ነቶም መሕደሪኦም ኣብ ውሽጢ ኣእምሮ ሰብ ዚገብሩ ጭፍራ ኣጋንንቲ ዘመልክት ኢዩ። እቲ ናይዞም ጭፍራ ኣጋንንቲ ግዳይ ዝኾነ ሰብ ድማ በዓል-ዛር ይብሃል። እቲ ጭፍራ፡ 44 ኣባላት ከም ዘለዉዎ ኢዩ ዚእመን። እቶም መራሕቱ ድማ:
ሀ. ራእሲ ሓጎስ
ለ. ዕሉም ዘሪጋ
ሐ. ጨንገር ሓሪዳ ይብሃሉ።
ነፍስወከፎም ድማ ዚመርሑዎም ጋኔናት ኣለዉዎም። ብዛር እተታሕዙ ሰባት ወይ ድማ ሰብ-ዛር ናብ ፈቐዳ ማይ-ጨሎትን፡ ናብቲ ዝለዓለ ደረጃ ዘለዎ በዓል-ዛርን ናብ ደብተራታትን ብምኻድ ይፍወሱ ወይ ድማ ድሌቶም የዕግቡ።
ጥንቆላ
ኣብ ሃገርና እተፈለለየ ሜላታት ዘዘውትሩ ጠንቆልቲ ኣለዉ። መብዛሕትኦም ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ትክን ዕጣንን ዛዕጎልን ብምጥቃም ጥንቁልናኦም ከካዪዱ ከለዉ፡ ገለ ድማ ኣብ መገዲ ኮፍ ኢሎም ዛዕጎል እናደርበዩ ዚጥንቁሉ ኣለዉ። ናይ ቡን ተረፍ ወይ ካልእ ምልክታት ብምርኣይ ናይ መጻኢ ዕድልካ ዚነግሩ'ውን ኣለዉ። መብዛሕትኦም፡ ንፍቕሪ ወይ ጽልኢ ከምኡውን፡ ንመርዓን ሓዳርን ብዚምልከት፡ ትንቢትን ምኽርን፡ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ድማ ከም ክታብ ዝመሰለን እተፈለለየ ንፈውሲ ዚኸውን ኣቝጽልትን ይህቡ ኢዮም።
ሰይጣን ወይ ጋኔን
ኣብ ማሪታዊ ባህሊ ኤርትራ፡ ሰለስተ ዓይነት ሰይጣውንቲ ወይ ጋኔናት ኣለዉ፥
1. ሰይጣን ዳዕሮን ካልኦት ኣእዋምን (ኣብ ዳዕሮ ተሰቒሉ ወይ ተሓቢኡ ወይ ተሰዊሩ ዚጸንሕ)
2. ሰይጣን መቓብርን ክሳድ መገድን (ኣብ መቓብራትን ክሳድ መገዲ ወይ ቀራና መገዲ ኣድቢዩ ዚጸንሕ ጋኔን)
3. ሰይጣን ቀላያትን ዒላታትን (ኣብ ቀላያትን ዒላታትን ዚነብር ጋኔን)
እዚኣቶም ጨካናትን ምሕረት ዘይፈልጡን ጋኔናት ኢዮም። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ነቲ በይኑ ብጸልማት ወይ ኣብ ጸምጸም በረኻ ዚኸይድ ሰብ ኢዮም ዘጥቅዑዎ። ኣብ መገዲ ጎፍታ ምስ ዚረኽቡኻ፡ ሰለስተ ግዜ በስምኣብ በወልድ በመንፈስ ቅዱስ ትብል። ግን ንሳቶም በዚ ዚርዕዱ ስለ ዘይኮኑ፡ ኡይ ርድኡኒ ምባል ኢያ ሓንቲ እንኮ መፍትሒ። ይኹንምበር፡ ንኸይተእዊ'ውን ኣፍካ ይዓጽዉኻ ኢዮም። ነቲ ካብዚ ስዒቡ ኣባኻ ዚኽሰት ናይ ኣእምሮ ሕማም፡ ኣብ ኣድባራትን ኣብ ደብተራታትን ብምኻድ ከተሕውዮ ክትፍት ትኽእል ኢኻ፡ ግን ቅሩብ ይሕሸካ እምበር፡ ፈጺምካስ ኣይትሓውን ኢኻ። ይኹንምበር፡ በዚ ሕማም'ዚ እናተሳቐዩ ህይወቶም ዚሓልፍ ኣዚዮም ብዙሓት ኢዮም።
ደቂ-ሕድርትና
ደቂ-ሕድርትና ረቂቃን ወይ ህቡኣን መናፍስቲ ኮይነን፡ ኣብ ዘድልየን ግዜ ግን ይገሃዳ ኢየን። ንሳተን ብባህርያተን ምስ ደቂሰባት ብዙሕ ምትእስሳር ዘለወን ኢየን፡ መበገሲ ህላወአን ድማ ከምዚ ዚስዕብ ኢዩ፥ ሓደ መዓልቲ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ናብ ሓደ ገዛ ኣትዩ ነታ ሰበይቲ ድቅኺ ኣርእዪኒ ይብላ፡ እታ ኣደ ግን ደቃ ከየግድፋ ስለ ዝፈርሀት፡ ነተን ጸጽቡቓተን ሓቢኣ ነተን ገግናያተን ተርእዮ። በዚ ዘይተሓጎሰ መልኣኽ፡ እዚኣተን ጥራይ ዲየን ደቅኺ፡ ብምባል ይሓታ። ንሳ ድማ፡ እወ እዚኣተን ጥራይ ኢየን፡ ካልኦት የብለይን ኢላ ትምልሸሉ። ሽዑ እቲ መልኣኽ፡ በሊ እተን ዝሓባእኪየን ሕቡኣት ኮይነን ይንበራ ኢሉ ይረግማ፡ ካብኣ ምስ ኣልገሰ ድማ ንሳተን ሕቡኣን ኮይነን ንዘልኣለም ይነብራ ኣለዋ።
ደቂ-ሕድርትና መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ልሙዕን ብሑትን ዝኾነ ቦታታትን ለሰታትን ሩባታትን ኢየን ዝነብራ። ቀትሪ ኮነ ለይቲ፡ ኩሉ ግዜ ካብ ደቂሰብ ርሒቐን ኣይርሕቃን ኢየን። ንሳተን ኩሉ ግዜ ኢየን ዚርእያና፡ ንሕና ግን ብፍቓደን እንተ ዘይኮይኑ ክንርእየን ኣይንኽእልን። ንሳተን ከምቲ ደቂሰባት ዚምገቡዎ ኢየን ዚምገባ፡ በዚ ምኽንያት ድማ'ዩ ሰባት ድራሮም በሊዖም ምስ ወድኡ፡ ግዴአን ከዲኖም ዚገድፉለን። ምስ ዘይትገድፈለን ግን ይቑጥዓ ኢየን። ባዕለን ድራረን ኪሰርሓ ድማ ኣይጽግመንን ኢዩ። ግን ከምዚ ኪገብራ ከለዋ ምስ ወድሰብ ከይተናኸፋ ኣዚየን ኢየን ዝፈርሃ። ከም ገለ ኢለን ምስ ሰብ ምስ ዝተናኸፋ፡ ኣዳም ኣዳም ጨኒኽን ተባሂለን ካብቲ ሕበረተሰበን ይስጎጋ ኢየን። ምስ ተሰጎጋ ድማ ከም ሰብ ኮይነን ኣብ መንጎና ይነብራ። ኣዚየን ጽቡቓት ብምዃነን፡ ብዙሕ ሰብ ኢዩ ኪምርዓወን ዚደሊ።
ከም ሰብ ኮይነን ኣብ መንጎና ኪነብራ ከለዋ፡ መለለዪአን ክልተ ኢዩ፥
ሀ. ምሒር ጽባቐ ኣለወን
ለ. ዓጽሚ ታሕተዋይ ኣእዳወን ከምቲ ተፈጥራዊ ብኽልተ ዘንግታት ዓጽሚ ዝቖመ ዘይኮነስ፡ ብሓደ ጸፊሕ ዘንጊ ዓጽሚ
ዝቖመ ኢዩ።
ሽሕኳ ደቂ-ሕድርትና ጥዑማትን ለጋሳትን ሕያዎትን እንተ ኾና፡ ኣብ ገለ ገለ እዋናት ግን ምስ እተሕርቐን ኪጓዳኣ ይኽእላ ኢየን። ደቂሰባት ሕያውነተን ርእዮም ኣብ ውራዮም ይዕድሙወን፡ ኣብ ሓዘኖም ይካፈላ፡ ንእተሸገረ ሰብ ድማ ይረድኣ። ኣብ መርዓ ኪዕደማ ከለዋ፡ ከም ንፋስ ወይ ዘራጊቶ መሲለን ኢየን ኣብቲ ዳስ ዝኣትዋ። ኣብ እንዳ ሓዘን'ውን ከምኡ። ንሳተን ንሓራሳት ይረድኣ፡ ንሕሙም ይበጽሓ፡ ሰብ ምስ ዚመወት ድማ ኣብ በረኻታት ኮይነን: ኣታ ወዲ መተዓብይተይ: እናበላ ከልቅሳ ይስምዓ።
ሽኵሹኳ
ናይ ሽኵሹኳ ንጥፈት ምስ ናይ ደቂሕድርትና ዝመሳሰል ኢዩ። እቲ ብሽኵሹኳ ዚጥቃዕ ሰብ ውነኡን ኣንፈቱን የጥፍእ። ኣብ ናይ ምዕውንዋን ዓለም ድማ ይኣቱ። ሓደ ካብቲ ኣብነታት ንምጥቃስ፥ እቲ ግዳይ ካብ ዓራቱ ተንሲኡ ማዕጾ ከፊቱ እግሩ ናብ ዝመርሖ ይኸይድ፡ ብኡ ኣቢሉ ድማ ንሰሙናት፡ ንኣዋርሕ፡ ንዓመታት ይሽረብ። ገለ ድማ ምስ ወጹ ፈጺሞም ዘይምለሱ ኣለዉ። ከምዚ ኪኸውን ዚኽእል፡ እተን ደቂሕድርትና ካብ ሰብ ገለ ሓገዝ ምስ ዚደልያ ኢዩ ዚወስዳኻ ይብሃል። እተን ዝወስዳኻ ደቂሕድርትና ለወሃት እንተ ኾይነን ቀልጢፈን ይመልሳኻ፡ እንተ ጨኪነን ድማ ነቲ ግዜ የናውሓኦ፡ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ድማ ንቤትካ ከይተመለስካ ተሸሪብካ
ትተርፍ ማለት ኢዩ።
ደብተራ
ደብተራ ኪብሃል ከሎ፡ ዓሚቝ ናይ ቤተክህነት ፍልጠትን ዓሚቝ ናይ ባህላዊ ፍወሳ ተመክሮን ዘለዎ ሰብ ኢዩ። ኣብ ሕብረተሰብና፡ እዚ ሰብ'ዚ ኣዚዩ ይኽበር ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣዚዩ'ውን ይፍራህ ኢዩ። ምኽንያቱ ድማ ነቲ ሰፊሕ ፍልጠቱ ብምጥቃም ኪጎድኣካን ኪምሕረካን ይኽእል ኢዩ። እንተ ደለየ'ውን ኪቐትለካ ሓይሊ ኣለዎ። በዚ ምኽንያት'ዚ ብዙሓት ሰባት ንደብተራ ኪርእዩዎ ኣይደልዩን፡ ብእተኻእለ መጠን ድማ ካብኡ ኪርሕቁ ይደልዩ። ገለ ሽግር ምስ ዘጋጥሞም ግን ምርጫ ስለ ዘይብሎም፡ ኣብ ኢዱ ኢዮም ዚወድቁ። ንሱ ድማ ከም ዝደለዮ ኪገብሮም ይኽእል።
-ኣበርክቶ ጽሑፍ፥ ንጽህቲ ገ/ወልድ
We use cookies to analyze website traffic and optimize your website experience. By accepting our use of cookies, your data will be aggregated with all other user data.