ቃዝኖት (Depression)
ናይ ቃዝኖት ቀውሲ፡ ዝበዝሕ ግዜ ከም ቃዝኖት ዚፍለጥ፡ ናይ ጓሂ ስምዒት ወይ ብጸገም ዝመልኦ ኩነታት ምሕላፍ ማለት ጥራይ ኣይኮነን። እዚ፡ ዕቱብ ኣእምሮኣዊ ሕማም ኮይኑ ምርዳእን ክንክንን ዘድልዮ ኢዩ። ክንክን ምስ ዚስእን፡ ቃዝኖት ነቶም ብኡ ዚሳቐዩን ንቤተሰቦምን ኣዕናዊ ኢዩ። ይኹንምበር፡ ኣቐዲምካ ብምልላይን፡ ብምምርማርን ከምኡውን ብስነልቦናውን ኣፋውስን ኣገባብ ኣነባብራን እተሰነየ ክንክን፡ ብዙሓት ሰባት ኪመሓየሹ ይኽእሉን ይመሓየሹን ኢዮም።
ገለ ሰባት ኣብ ህይወቶም ሓደ ናይ ቃዝኖት ተመክሮ ጥራይ የሕልፉ፡ ዝብዝሑ ግን እቲ ናይ ቃዝኖት ቀውሲ ይቕጽል ኢዩ። ብዘይ ክንክን፡ እቲ ኩነታት ንኣዋርሕ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ንዓመታት ኪኸይድ ይኽእል ኢዩ። ኣብ ኣመሪካ 21 ኣባጽሕ —8.4% ናይቲ ህዝቢ -- ኣብ 2020 ሓደ ናይ ቃዝኖት ተመክሮ ነይሩዎም። ኣብ ኩሉ ናይ ዕድመን ዓሌትን ብሔርን ማሕበራዊ ቁጠባዊ ድሕረባይታን ዚርከቡ ሰባት ቃዝኖት የሕልፉ ኢዮም፡ ይኹንምበር፡ እቲ ቃዝኖት ንገለ ጉጅለታት ካብ ካልኦት ብዝያዳ ኪጸሉ ይረአ።
ምልክታት ሕማም
ቃዝኖት እተፈላለየ ምልክታት ይፈጥር ኢዩ፡ እዚ ድማ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ። ይኹንምበር፡ ንዝበዝሑ ሰባት እቲ ናይ ቃዝኖት ቀውሲ ነቲ መዓልታዊ ስርሖም ኢዩ ዘበላሹዎ፡ ከም ልምዲ ድማ ንኽልተ ሳምንቲ ይቕጽል።
ዝውቱራትምልክታት እዞም ዚስዕቡ ኢዮም፥
ምንጪ: NAMI (ሃገራዊ ሕብረት ኣእምሮኣዊ ሕማም National Alliance on Mental Illness)
ቃዝኖት
ድምጺ : ፊቢ ኢዮብ
We use cookies to analyze website traffic and optimize your website experience. By accepting our use of cookies, your data will be aggregated with all other user data.