*ወልፊ (addiction)- ኣብ ሓደ ንጥረ ነገር ወይ ኣብ ፍሉይ ባህሪ እተወሰነ ስነ-ኣእምሮኣውን ስነ-ኣካላውን ጽግዕተኛነት
*ጸረ-ማሕበራዊ ሰብኣዊ ጸገም/ምዝበላ (antisocial personality disorder) - በቶም ማሕበራዊ ቅቡልነት ዘይብሎም ቅዲ ባህርያት ዝልለ ሰብኣዊ ጸገም/ምዝበላ
*ኣኖረክስያ ነርቮዛ (anorexia nervosa)- ክብደት ሰውነትካ ንምቁጽጻር ኣመጋግባኻ ኣመና ብምድራት ዚስዕብ ጸገማት
*ኣቓልቦ ዘጉድል መጠን ብዘይብሉ ምንቅስቓስ ዚለለ ሕማም (Attention Deficit Hyperactivity Disorder, ADHD) - ሓደ ሰብ ኣብ ሓደ ነገር ከተኩር፡ ኮፍ ኪብል ወይ ነቲ ዚድርኾ ባህርያት ክቆጻጸር ብዘይ ምኽኣሉ ዝስዕብ ጸገም
*ባይፖላር ዲስኦርደርስ (bipolar disorders)- ኣብ መንጎ ጭንቀትን ፍንጫሐን፡ ላዕልን ታሕትን ዚብል ናይ ስምዒት ጸገማት
*ጫፋዊ ሰብኣዊ ጸገም/ምዝበላ (borderline personality disorder) - ድርኺት ዝመልኦ ዘይንቡር ባህርያትን ዘይርጉእ ዝምድናን ምርኣይ
*ቡሊሚያ ነርቮዛ (bulimia nervosa)- ክብደት ንምቁጽጻር ብማለት ጠገለ ብዘይብሉ መገዲ መግቢ ምብዛሕን ኣመና ኣብ ጽፈት ምትኳርን
*ኮግኒቲቭ ዲሶናንስ (cognitive dissonance)- ሓደ ሰብ ምስ እምነቱን ክብርታቱን ዚጋጮ ሓበሬታ ኣብ ኣእምሮኦ ምስ ዘቐምጥ ዚፍጠር ናይ ጭንቀት ኩነታት
*ዲመንሻ/ርስዒት (dementia) - ርኡይ ናይ ዝኽርን ቀልብን ምንቁልቋል
*ቃዝኖት (depression) - ብናይ ድርኺትን ሓይልን ሓጐስን ጉድለት ዝልለ ናይ ስሚዒት ጸገም
*ዲሶሽየቲቭ ዲሶርደርስ (dissociative disorders) - ካብ ክውንነት ተሓቢእካ ንሓጺር ወይ ንነዊሕ እዋን ካብ ኣእምሮኣዊ ቃንዛ ክትከላኸል ብምጽዓር ዚፍጠር ጸገማት ወይ ምዝበላታት
*ዘይስሩዕ ኣመጋግባ (eating disorders) - ንኣመጋግባኻ ብምቁጽጻር ከባቢኻ ክትቆጻጸር ክትፍትን ከሎኻ ዚፍጠር ጸገማት
*ሓፈሻዊ ጭንቀት (generalized anxiety disorder)- ንልሙድን ተደጋጋምን ፍጻመታት ዚምልከት ዓይነት ቀጻሊ ጭንቀት
*ሂስትሪዮኒካዊ ምዝበላ ኣእምሮ (histrionic personality disorder) - ብምሒር ናይ ኣቓልቦ ድሌት ዚብገስ፡ ልዑል ስምዒታትን ምቅስቓስን ዚፈጥር ስብእናዊ ጸገም
*ሃይፖኮንድርያሲስ (hypochondriasis) - ከቢድ ሕማም ወይ ኣካላዊ ጸገም ከም ዘሎካ ዘእምን ናይ ኣእምሮ ጸገም
*ዕብዳን (insanity) - ሓደ ሰብ ንተግባራቱ ሓላፍነት ክወስድ ከም ዘይክእል ዘመልክት ሕጋዊ ቃል
*ሕማም ኣእምሮ (mental illness)- ስሩዕ ወይ ልሙድ ስራሕ ንምፍጻም ኣጸጋሚ ዝገብር ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገማት
*ሙድ ዲዞርደርስ/ምዝበላ ስምዒት (mood disorders) - ቅልጡፍን ዘይርጉእን ምልውዋጥ ስሚዒታት
*ምንሻውሰን ሲንድሮም (Munchausen syndrome)- ዘየሎ ሕማም ብምፍብራኽ ኣቓልቦ ከም እትደሊ ዚገብር ናይ ኣእምሮ ጸገም (ኣላይ ህጻን ኣብቲ ህጻን ወይ ኣላዪ ሕሙም ኣብቲ ሕሙም ዚፈጥሮ ውክልናዊ ፍብረኻ ጸገማት፡ ውክልናዊ ምንሻውሰን ሲንድሮም ይብሃል)
*ኣነነታዊ/ናርሲሲት ምዝበላ ኣእምሮ (narcissistic personality disorder) - ብሰንኪ ኣመና ኣብ ነብስኻ ወይ ኣነነትካ ዚህሉ ልዑል ኣገዳስነት፡ ናብ ርህራሄ ዘይምህላው ባህርያት ዚወስድ ናይ ኣእምሮ ምዝበላ
*ወልፋዊ-ድራኸኣዊ ምዝበላ ኣእምሮ (obsessive-compulsive disorder) - ከባቢኻ ንምቁጽጻር ብማለት ዚፍጠር
ብውጥረትን/ወይ ብግዴታውን ድሌት እተሰነየ ናይ ጭንቀት ጸገም
*ፓኒክ ዲዞርደር/ተደጋጋሚ ስምባደ (panic disorder)- ቀጻልን ዘይተጸበኻዮን ኣብ ኣእምሮኻ ዚፍጠር ናይ ስንባደ መጥቃዕቲ
*ናይ ሰብእነት ጸገማት (personality disorders)- ምስቲ ፈላሚ ባህሊ ወይ ከባቢኻ ዘይቃዶን ዘይተለምደን ቅዲ ባህርያትን ተመኩሮን
*ፎብያ (phobia)- ደረት ብዘይብሉን ብዘይምኽንያታውን ፍርሒ ዝልለ ናይ ጭንቀት ጸገም
*ድሕረ-ቃንዛ ጭንቀታዊ ምዝበላ (post–traumatic stress disorder, PTSD) - ብገለ ከባብያዊ ኣጋጣሚ ወይ ፍጻመ
ብምብጋስ ንሓደ ሰብ ነቲ ዝሓለፈ ቃንዛኡ ኣዘኪሩ ጸገም ዚፈጥረሉ ናይ ኣእምሮ ኩነታት
*ሳይኮሲስ (psychosis) - ኣዝዩ ዝተዛብዐን ካብ ክውንነት ዝወጸን ኣረኣእያ
*ሳይኮሶማቲክ (psychosomatic)- ሓደ ሰብ ብሓሳባቱ ወይ ብኣእምሮኡ፡ ከም ዝሓመመ ብምእማን ዝፈጥሮ ኣካላዊ ሕማም
*ስኪዞይድ ፐርሶናሊቲ ዲስኦርደር (schizoid personality disorder)- ናይ ሓደ ሰብ ማሕበራዊ ክእለትን ስምዒታዊ ተመክሮን ዚዓግት ናይ ኣእምሮ ጸገም
*ስኪዞፍረኒያ/ ንጽለት (schizophrenia)- ኣብ ሓደ ሰብ ተለዋዋጢ ክውንነት/ሓቃውነት ዚፈጥር ጸገም፡ እዚ ድማ ከንቱ ሕልምን ድንግርግርን ዘይስሩዕን/ዘይንቡርን ባህርያትን ከጠቓልል ይኽእል።
*ድሮጋዊ ወልፊ (substance abuse)- ንህይወት ሓደ ሰብ ብኣሉታ ዝጸሉ ተደጋጋሚ ኣጠቓቕማ ድሮጋ (drug)
1.Anxiety ጭንቀት
2.Assault መጥቃዕቲ/ጥቕዓት
3.Dizziness መንጸሮር
4.Mood ስምዒት/መንፈስ/ኩነተ-ኣእምሮ
5.Nausea ጽልኣት/ስግድግድ
6.Numbness ድንዛዘ
7.Paresthesia ሰመርመርታ/ጸላዕላዕታ
8.Psychiatric assessment ስነ-ኣእምሮኣዊ ገምጋም
9.Stiffness ትርሪነት/ግትርነት
10.Tingling ሰመርመርታ/ሸቕሸቕታ
We use cookies to analyze website traffic and optimize your website experience. By accepting our use of cookies, your data will be aggregated with all other user data.