ሕሉፍ ቃንዛ: ንሓደ ኣጨናቒ ኩነት፡ ከም ውግእ፡ ሓደጋ፡ ዘይተጸበኻዮ ሞት ኣባል ስድራቤት፡ ወይ ዓመጽ ምስ ዘጋጥም ዚኽሰት ሓያል ስምዒታዊ ግብረመልሲ ማለት ኢዩ። ሕሉፍ ቃንዛ፡ እቲ ፍጻመ ምስ ሓለፈ እውን ንብዙሕ ዓመታት ስምዒታውን ኣካላውን ምልክታት ሕማም ይገድፍ ኢዩ።
ሕሉፍ ቃንዛ ዘምጽኡ ረቛሒታት
- እቲ ናይ ዝሓለፈ ቃንዛ ተመክሮ ዘይትጽበዮ ኢዩ ነይሩ።
- እቲ ግዳይ ናይ ዝሓለፉ ቃንዛታት ተዘክሮ ኣለዎ።
- እቲ ተመክሮ ደጋጊሙ ኢዩ ተኸሲቱ፡ ወይ ድማ ኣብ ዝነውሐ ግዜ።
- እቲ መጕዳእቲ ወይ ሃስያ ወይ ቃንዛ ኣብ ግዜ ህጻንነት ኢዩ ተፈጺሙ።
- ኣብቲ ናይቲ ፍጻመ ግዜ ዚጓነፍ ናይ ሕልና ምዕራብ ስምዒት።
- እቲ ግዳይ ምስቶም ምስቲ ሕሉፍ ቃንዛ ዘይራኸቡ ኣገደስቲ ዘጨንቑ ነገራት እውን ይቃለስ ኢዩ።
ምልክታት ሕሉፍ ቃንዛ
ናይ ነፍስወክፍ ናይ ሕሉፍ ቃንዛ ተመክሮ ፍሉይ ኢዩ። ገለ ሰባት ኩሉ ምልክታት የርእዩ፡ ገለ ድማ ቅሩብ ጥራይ። እዞም ኣብ ታሕቲ ተጠቒሶም ዘለዉ ምልክታት ሕማም፡ ጠርነፍቲ ኣይኮኑን፡ ኣብ ግዜ ምፍዋስ ድማ ኪዝውተሩ ኣይግባእን።
- ነቲ ዝሓለፈ ቃንዛ ዘዘክሩ ነገራት ወይ ዝኽርታት ምልጋስ
- ኣመና ካብ መስመር ዝወጸ ናይ ምዩቕ ምባል ግብረመልሲ
- ገርጨውጨው፡ ሕርቃንን ካልኦት ኣሉታውያን ስምዒታትን
- እቲ ዝሓለፈ ናይ ሃስያ ተመክሮ ብልጭ/ጦብላሕ ይብለካ
- ዘጨንቑ ሕልምታትን ካልኦት ናይ ድቃስ ጸገማትን
- ነቲ ሕሉፍ ቃንዛዊ ተመክሮ ብዚምልከት ንነብስኻ ምውቃስ
ልሙድ ግበረመልሲ ንሕሉፍ ቃንዛ:
- ንሕሉፍ ቃንዛ ዳግማይ ክትምከሮ ከሎኻ
- ሕልማዊ ብህረራ
- ብልጭታ ወይ ጦብላሕታ (ናይቲ ሃስያ ዘይትቆጻጸሮን ንጹርን ምስልታትን ዝኽርታትን)።
- ነቲ ሕሉፍ ቃንዛ ዚምልከቱ ዘጨንቑ ሓሳባትን ህውሰታትን
ነቲ ሕሉፍ ቃንዛ ምስ ዘከርካዮ ዚኽሰት ስምዒታዊ ጭንቀት ወይ ኣካላዊ ግብረመልሲ:
- ነቶም ናይ ዝሓለፈ ቃንዛ ዘዘክሩ ነገራት ምርሓቖም ንዝሓለፈ ቃንዛ ዚቕስቅሱ ዝኽርታት ኣጨነቕቲ ስለ ዝኾኑ፡ እቶም ግዳያት ሕሉፍ ቃንዛ፡ ነቲ ግብረመልስታት ንምቁጽጻር ብማለት ናይ ምህዳም ወይ ናይ ምርሓቕ ስልቲ ኪጥቀሙ ምርኣይ ልሙድ ኢዩ።
- ንዝህውኹ ሓሳባትን ስምዒታትን ንምጽቃጥ ተባሂሉ ዚውሰድ ድሮጋን ኣልኮላዊ መስተን
- ምስቲ ሕሉፍ ሃስያ ይተሓሓዙ ኢዮም ንእትብሎም ንጥፈታት ካባኻ ምርሓቕ
- ምስቲ ሕሉፍ ሃስያ ይተሓሓዙ ኢዮም ንእትብሎም ሰባት፡ ቦታታት ወይ ነገራት ካባኻ ምርሓቕ
- ምስቲ ሕሉፍ ሃስያ ዚተሓሓዙ ሓሳባት ምጽቃጥ/ምዕባጥ
- ብዛዕባ ነቲ ሕሉፍ ሃስያ ዚምልከቱ ዘረባታት ካባኻ ምርሓቕ
ኣሉታውያን ሓሳባትን ስምዒታትን ድሕሪ ናይ ሕሉፍ ቃንዛ ተመክሮ፡ ኣሉታውያን ሓሳባት ወይ ስምዒታት ኪመጹ ይጅምሩ ወይ እናገደዱ ይኸዱ። ገለ ካብዞም ሓሳባትን ስምዒታትን ምስቲ ሕሉፍ ቃንዛ ርክብ ዘይብሎም ኪኾኑ ይኽእሉ ኢዮም።
- ናብ ገዛእ ርእስኻን ናብቶም ምስቲ ሕሉፍ ቃንዛ እተተሓሓዙን ዝጠመተ ካብ መጠን ዝሓለፈ ወቐሳ
- ኣብ ንጥፈታት ዘሎካ ኣገዳስነት ይጠፍእ
- ካብ ዙርያኻ ምንጻልን ምብሕታውን
- ኣወንታዊ ሓሳባት ንኪህልዉኻ ዘሎ ጸገማት
- ምስቲ ሕሉፍ ሃስያ እተተሓሓዘ ኩሉ ዝኽርታት ይጠፍእ
- ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻን ብዛዕባ ዓለምን ዚህልዉኻ ኣመና ኣሉታውያን ዝኾኑ ሓሳባት
ራዕዲ ዝመልኦ ዘይንቡር ጥንቃቐ (hyper arousal) ምዕልባጥ ወይ ምንጽርጻር ድሕሪ ሕሉፍ ቃንዛ ኪጅምርን ኪገድድን ይኽእል ኢዩ። እዚ ምድብ'ዚ ብርክት ዝበሉ ኣካላውን ስነልቦናውን ምልክታት ይጥርንፍ።
- ገርጨውጨው በሃልን ቀልጢፍካ በግ እትብልን ተባኣስን ምዃን
- ልዑል ናይ ምዩቕ ምባል ግብረመልሲ
- ናይ ምትኳር ጸገም
- ነቲ ዙርያኻ ደጋጊምካ ብምድህሳስ ገለ ነቲ ሕሉፍ ሃስያ ዘዘክሩኻ ነገራት ምድላይ
- ድቃስ ምስኣን
- ስምዒት ሻቕሎትን ምስኡ እተተሓሓዘ ከም ናይ ልቢ ቅልጡፍ ትርግታን ናይ ከስዐ ጸገማትን ሕማም ርእስን
- ሓደገኛ ወይ ሃንደበታዊ ባህርያት