ሓፈሻዊ መግለጺ
ንጽለት ፡ ንሓደ ሰብ ኣብ ኣተሓሳስባኡን ስምዒታቱን ባህርያቱን ዚትንክፍ ሓደገኛ ሕማም ኣእምሮ ኢዩ። ብንጽለት ዚሳቐዩ ሰባት ምስ ናይ ከባቢኦም ጭቡጥ ነገራት ርክብ ዝበተኹ ይመስሉ፡ እዚ ድማ ኣብቲ ግዳይን ኣብ ስድራቤቱን ብጾቱን ዓቢ ሻቕሎት የስዕብ። ንጽለት፡ ክንክን ምስ ዘይግበረሉ፡ ሳዕቤናቱ ቀጻልን ኣልማስን ይኸውን። ይኹንምበር ብቑዕ ፍወሳ ኣለዎ ኢዩ። እቲ ክንክን ኣብ እዋኑን ብእተወሃሃደን ብቐጻሊ ኣገባብን ምስ ዚከናወን፡ ነቲ ግዳይ ኣብ ቤትትምህርቱ ኪሳተፍ፡ ናጻ ኪኸውን፡ ውልቃዊ ዝምድናታት ኪገብር የኽእሎ ኢዩ።
መጥቃዕትን ምልክታትን
እቲ Centers for Disease Control and Prevention (CDC) ማለት፡ ማእከል ምቁጽጻር ሕማምን ምክልኻልን ዚብሃል ትካል፡ ገለ ናይ ኣእምሮ ዘይስርዑነት፡ ከምኡውን ቃዝኖትን ንጽለትን ምስ ዚህልወካ'ሞ ኮቪድ-19 ድማ ምስ ዚሕዘካ፡ እቲ ሕማምካ ኣዚዩ ኪብእስ ከም ዚኽእል ይሕብር። ንጽለት ኣብ ኣከባቢ 20 ዕድመ፡ ክሳዕ 30 ዕድመ ይረአ። ኣብ ደቅተባዕትዮ ቀልጢፉ ማለት ካብ ኣከባቢ 18 ክሳዕ መጀምርታ 20ታት ዕድመ፡ ኣብ ኣዋልድ ድማ ካብ ኣከባቢ 19 ክሳዕ መጀመርታ 30ታት ዕድመ ይረአ።
ሕማም ንጽለት ብድሕሪ ፈለማ ጅማረ ሕማም ኣእምሮ ኢዩ ዚስዕብ፡ ሽዑ ድማ እቶም ግዳያት ፈላሚ ናይ ንጽለት ምልክታት የርእዩ። ቅድሚ ፈላሚ ደረጃ ሕማም ኣእምሮ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ፍርቂ ዕድመ ጉብዝና ዚጅምር፡ ኣብ ኣተሓሳስባን መንፈስን ማሕበራዊ ንጥፈታትን ዘገምታዊ ለውጥታት ይረኣዩ። ንጽለት፡ ኣብ ህጻናት እውን ይረአ ኢዩ፡ ግን ቅድሚ 19 ዕድመ ንኪኽሰት ዘሎ ዕድል ውሑድ ኢዩ።
ምልክታት ንጽለት ብሓፈሻ ኣብዞም ዚስዕቡ ሰለስተ ምድባት ይኽፈል፥
ምልክታት ሕማም ኣኣምሮ (psychotic symptoms) እተለወጠ ግንዛበ የኸተል (ንኣብነት፥ ኣብ ምርኣይን ምስማዕን ምሽታትን ምድህሳስን ምስትምቓርን ለውጥታት ይረአ)፡ ዘይልሙድ ኣተሓሳስባን ጊንጢ ዝኾነ ባህርያትን። ብምልክታት ሕማም ኣእምሮ እተጠቕዑ ሰባት ሓባራዊ ትርጉም ሓቃውነት ከጥፍኡ ይኽእሉ፡ ንነብሶምን ንዓለምን ድማ ብእተዘናብዐ መገዲ ይምከሩዎ። ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ብፍላይ፡ ከምዚ ዚስዕብ ኩነታት የጋጥሞም፥
ውነኣውያን (cognitive) ምልክታት ነዚኣቶም ይጥርንፉ፥
ኣቓልቦን ትዅረትን ዝኽርን ዘይምህላው። ኣብ ገለ ግዳያት፡ ኣቲ ናይ ንጽለት ውነኣዊ ምልክታት ብቐሊሉ ኣይፍለጡን ኢዮም። ኣብ ካልኦት ግን ኣዚዮም ንጹራት ብምዃኖም ኣብ ምክትታል ዘረባን፡ ኣብ ምምሃር ሓደስቲ ነገራትን ወይ ድማ ኣብ ምዝካር ቆጸራታትን ጸገማት የኸትሉ ኢዮም። ግዳያት ብፍላይ ከምዚ ዚስዕብ ተመክሮ የጋጥሞም፥
ረቛሒታት ሓደጋ
ንጽለት ንኸጥቅዓካ ዘበርክቱ ብዙሓት ረቛሒታት ኣለዉ። ስነ-ሰረት (genetics)፥ ንጽለት ኣብ ስድራቤት እውን ይተሓላለፍ ኢዩ። ይኹንምበር፡ ሓደ ኣባል ስድራቤት ናይ ንጽለት ምልክታት ኣለዎ ስለ ዝኾነ እቶም ካልኦት እውን ኪህሉዎም ኢዩ ኢልካ ምሕሳብ ጌጋ ኢዩ። መጽናዕቲ ስነ-ሰረት ከም ዚሕብሮ፡ ብዝሒ ስነ-ሰረት ነቲ ናይ ንጽለት ሕማም ኪሕዘካ ዘሎ ተኽእሎታት የዕብዮ ኢዩ፡ ግን ሓንቲ ጂን (gene) ጥራይ ነቲ ሕማም ከተምጽኦ ኣይትኽእልን ኢያ። ስለዚ ኣብ ስነ-ሰረት ብምምርኳስ እከለ ኪሕዞ ኢዩ ወይ ኣይሕዞን ኢዩ ኢልካ ምትንባይ ጌና ዚከኣል ኣይኮነን።
ኣከባቢ፥ ሰብ-ሳየንስ ከም ዚብሉዎ ኣብ መንጎ ናይ ስነ-ሰረት ሓደጋን ናይቲ ውልቀሰብ ኣከባቢን ዚካየድ ምጽልላዋት ንጽለት ንኪኽሰት ተራ ይህሉዎ ይኸውን ኢዩ። እቶም ኣብዚ ዚዋስኡ ናይ መነባብሮ ረቛሒታት ነዞም ዚስዕቡ ኪጥርንፉ ይኽእሉ ኢዮም፥ ብድኽነት ምንባር፡ ጭንቀት ዝመልኦ ኣከባቢ፡ ንቫይረሳት ቅሉዕ ምዃን ወይ ቅድሚ ምውላድካ ኣብ ማህጸን ከሎኻ
ዝነበረካ ናይ መግቢ ጸገማትን።
መዋቕር ሓንጎልን ኣገልግሎትን፥ሰብ-ሳየንስ ከም ዚብሉዎ፡ ኣብ መዋቅር ሓንጎልን ንጥፈታቱን ኣብቶም ከሚካላውያን መተሓላለፍቲ (ኒውሮትራንስሚተርስ ዚብሃሉ) ዘሎ ፍልልያትን ነቲ ንጽለት ከምጽኦ ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ክፋላት ሓንጎል ዘሎ ናይ ስፍሪ ፍልልያት፡ ብኸመይ መገዲ ከም እተኣሳሰሩን ብሓባር ከም ዚሰርሑን፡ ከምኡውን ኣብቲ ኒውሮ ትራንስሚተራት፡ ከም ዶፓሚን፣ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ኣብቶም ንጽለት ዘለዎም ሰባት ይረአ ኢዩ።
እቲ ኣብቶም ንጽለት ዘለዎም ሰባት ኣብ ናይ ሓንጎል ዘሎ መትናዊ ምትእስሳራትን ከሚካላዊ ዑደት ዚረአ ፍልልያት፡ ቅድሚ ምውላዶም ዝጀመረ ኪኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ኣብ ግዜ ጉብዝና ዚኽሰት ኣብ ሓንጎል ዚኽሰት ለውጥታት፡ ኣብቶም ዛጊት ብሰንኪ ስነ-ሰረትን ኣከባብን ወይ ድማ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ናይ ሓንጎል ፍልልያትን ንሓደጋ እተቓልዑ ሰባት፡ ነቲ ሕማም ኣእምሮ ወይ ሳይኮሲስ ኪቕስቅሶ ይኽእል ኢዩ።
ምንጪ: NIMH (ሃገራዊ ትካል ጥዕና ኣእምሮ National Institute of Mental Health)
We use cookies to analyze website traffic and optimize your website experience. By accepting our use of cookies, your data will be aggregated with all other user data.