ባና
ማእከል ጥዕና ኣእምሮ
          ባና
ማእከል ጥዕና ኣእምሮ
  • መእተዊ
  • ብዛዕባና
  • Bana Mental Health, LLC
  • ኣገልግሎታት
  • ቤት ንባብ
    • ማሪታውያን እምነታትን መናፍስትን
    • ምልክታት ናይ ኣእምሮ ሕማም
    • ቃዝኖት (Depression)
    • ነፍሰቅትለት እንታይ ኢዩ?
    • ድሕረ-ሕርሳዊ ቃዝኖት (PPD)
    • ጭንቀት (Anxiety)
    • ናይ መንፈስ ውዝወዛ (Bipolar)
    • ንጽለት (Schizophrenia)
    • ጓሂ/ ትካዘ (Grief)
    • ሕሉፍ ቃንዛ (Trauma)
    • ወልፊ (Addiction)
    • ጥዑይ ውልቃዊ ደረት
  • ስነ-ኣእምራዊ መዝገበ-ቃላት
    • ዝውቱራት ቃላት
  • ዩትዩብ (YouTube Channel)
  • ቪደዮታት (Videos)
  • ካብዝን ካብትን
    • ምልማስ ኣእምሮ
    • ምዕባለ ኣብ ኣተሓሳስባ
    • ጽልጸላ ኣእምሮ
  • ዝደጋገሙ ሕቶታት
  • More
    • መእተዊ
    • ብዛዕባና
    • Bana Mental Health, LLC
    • ኣገልግሎታት
    • ቤት ንባብ
      • ማሪታውያን እምነታትን መናፍስትን
      • ምልክታት ናይ ኣእምሮ ሕማም
      • ቃዝኖት (Depression)
      • ነፍሰቅትለት እንታይ ኢዩ?
      • ድሕረ-ሕርሳዊ ቃዝኖት (PPD)
      • ጭንቀት (Anxiety)
      • ናይ መንፈስ ውዝወዛ (Bipolar)
      • ንጽለት (Schizophrenia)
      • ጓሂ/ ትካዘ (Grief)
      • ሕሉፍ ቃንዛ (Trauma)
      • ወልፊ (Addiction)
      • ጥዑይ ውልቃዊ ደረት
    • ስነ-ኣእምራዊ መዝገበ-ቃላት
      • ዝውቱራት ቃላት
    • ዩትዩብ (YouTube Channel)
    • ቪደዮታት (Videos)
    • ካብዝን ካብትን
      • ምልማስ ኣእምሮ
      • ምዕባለ ኣብ ኣተሓሳስባ
      • ጽልጸላ ኣእምሮ
    • ዝደጋገሙ ሕቶታት
  • መእተዊ
  • ብዛዕባና
  • Bana Mental Health, LLC
  • ኣገልግሎታት
  • ቤት ንባብ
    • ማሪታውያን እምነታትን መናፍስትን
    • ምልክታት ናይ ኣእምሮ ሕማም
    • ቃዝኖት (Depression)
    • ነፍሰቅትለት እንታይ ኢዩ?
    • ድሕረ-ሕርሳዊ ቃዝኖት (PPD)
    • ጭንቀት (Anxiety)
    • ናይ መንፈስ ውዝወዛ (Bipolar)
    • ንጽለት (Schizophrenia)
    • ጓሂ/ ትካዘ (Grief)
    • ሕሉፍ ቃንዛ (Trauma)
    • ወልፊ (Addiction)
    • ጥዑይ ውልቃዊ ደረት
  • ስነ-ኣእምራዊ መዝገበ-ቃላት
    • ዝውቱራት ቃላት
  • ዩትዩብ (YouTube Channel)
  • ቪደዮታት (Videos)
  • ካብዝን ካብትን
    • ምልማስ ኣእምሮ
    • ምዕባለ ኣብ ኣተሓሳስባ
    • ጽልጸላ ኣእምሮ
  • ዝደጋገሙ ሕቶታት

ምልማስ ኣእምሮ  (The Shriveling of the Mind)


ኣእምሮ ሰብ ብብዙሕ ምኽንያታት ኪዓብን ኪሰፍሕን፡ ከምኡውን ኪዅምተርን ኪለምስን ይኽእል እዩ። ሓደ ካብቲ ከዕብዮን ከስፍሖን ዚኽእል ረቛሒ፡ ብህየሳዊ መገዲ ምሕሳብን (critical thinking)፡ ምስትንታንን (meditation)፡ ምዕዛብን፡ መጻሕፍቲ ምንባብን፡ ምስማዕን፡ ጽምኢ ፍልጠት ምህላውን፡ ብሃናጺ መገዲ ምክታዕን፡ ንሓቂ ካብ ፈታዊኻ ትምጻእ ወይ

ካብ ጸላኢኻ ኣእምሮኻ ከፊትካ ምቕባልን ወዘተ እዩ።


እቲ ንኣእምሮኻ ዘጽብቦን ውዒሉ ሓዲሩ ድማ ዘልምሶን ድማ፥ ኣብ ልዕለ-ተፈጥሮ ምእማንን (supernatural) ብስምዒታዊ መገዲ ምሕሳብን፡ ኣጉል እምነት ምጥራይን፡ እፈልጥ እየ ምባልን፡ ንኽትረትዕ ኢልካ ምክታዕን፡ ንሓቂ ክትጠቕመካ ከላ ጥራይ ምቕባልን፡ ሸለልትነትን፡ ሕልናኻ ምዕራብን ወዘተ እዩ።


ከምቲ ሓንቲ ፓራሹት (ናይ ኣየር ወለድ መንሳፈፊ ጽላል) ምስ ተኸፍተት ጥራይ ካብ ሞት እተድሕን፡ ኣእምሮ ሰብ ድማ ምስ ዚኽፈት ጥራይ እዩ ከድሕን ዚኽእል። ዕጹውን ሃሜነታዊ (dogmatic) ኣምሮን፡ ኣድሓርሓርን ጸረ-ምዕባለን እዩ። ነፋሪት እውን ብወገና፡ ክትሕምበብ ከላ ደኣ እያ ሒዛትካ ካብ ቦታ ናብ ቦታ እትወስደካ እምበር፡ ደው ምስ እትብል ሒዛትካ እያ ናብ ባይታ ብምውዳቕ ሓሸምሸም እትብል። ስለዚ እቲ ዚሰርሕን ዚመራመርን ኣእምሮ ሒዙካ ናብ ሓቂ ኪጎዓዝ ከሎ፡ እቲ ስርሑ ደው ዘበለን ልሙስ ኣእምሮ ግን ሒዙካ እዩ ናብ ባይታ ወዲቑ ዚሕምሸሽ።


ኣእምሮ ወድሰብ ብሓፈሻ ህኩይን ንኹሉ ብኣቋራጭ ኪረክብ ዚደልን ሓይሊ እዩ። ስለ ዘድክሞ፡ ኪሓስብ እውን ኣይደልን። ካብ ምሕሳብ ንላዕሊ፡ ነቲ ናይ ደመነፍሲ (instinct) ድራኸ ወይ ድፍኢት ወይ ንስምዒታቱ እናተጠቕመ እዩ ኪቕጽል ዚደሊ። ከምዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ ወድሰብ ብዘገምታዊ መገዲ (evolution) ኣብዚ ምድሪ ምስ ተራእየ፡ ንኺነብር ብማለት ንገለ ሚልዮናት ዓመታት ደመነፍሲ እዩ ዘዘውትር ነይሩ። ድሕሪ ነዊሕ ዘመናት ሓንጎሉ ምስ ማዕበለ ግን፡ እቲ ደመነፍሲ ብኣእምሮ ኪትካእ ጀሚሩ፡ ወድሰብ ድማ ኣእምሮኡ ብምዝውታር ንእንስሳታትን ንተፈጥሮን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ኣእትዩዎም፡ ብህየሳዊ ኣተሓሳስባን ብምርምርን ድማ ኣብ መነባብሮኡን ኣብ ዙርያኡን ተኣምራታዊ ዝኾነ ለውጢ ከምጽእ ክኢሉ።


ይኹንምበር፡ ወድሰብ እቲ ደመነፍሱ ስለ ዚድግሶን፡ ብዙሕ እውን ስለ ዘየድክሞን፡ ኣብ መብዛሕትኡ ህይወታዊ ንጥፈታቱ፡ ካብ ኣእምሮኡ ንላዕሊ ንደመነፍሱን ንስምዒታቱ እዩ ኪግዛእ ዚደሊ። ካብዚ እተላዕለ፡ ማለት ኣብ ተፈጥሮኣዊ ታሪኽ ወድሰብ እቲ ናይ ዓሚቝ ምሕሳብን ናይ ምትንታንን ምምርማርን ባህርያት ሓድሽ ስለ ዝኾነ፡ ንምዝውታሩ ድማ ብዙሕ ጸዓት ዚወሰድ ብምዃኑ፡ ወድሰብ ነቲ ናይ ስነመጎት ዓቕምታቱ ከገልግሎ ብዘይምድላይ፡ ኣብ ህይወቱ በቶም ካብኡ ንላዕሊ ዚሕይሉን ዚጣበቡን ንኺታለልን ንኽዕሾን ኣኽኢሉዎ እዩ።


እቲ ካብ ኩሉ ዘገርም ግን፡ ወድሰብ ወትሩ ኪዕሾን ኪታለልን ይደሊ ምዃኑ እዩ። ካብ ከየደቀሰ ዘሕድር ሓቂ፡ ዘደቅስ ሓሶት እዩ ዚሰማምዖ። ኣእምሮኡ ኣዘውቲሩ ሓቂ ካብ ምርካብ፡ ደመነፍሱ ኣዘውቲሩ ሓሶት ምቕባል ይመርጽ። ካብ ምስ ዚዅርኵሕ

ሓቂ ምድቃስ፡ ልሙጽን ልምሉምን ሓሶት ተተርኢሱ ኪድቅስ ይመርጽ። ካብቲ ንዓመታ ኪጠቕሞ ዚኽእል ነገራት ንላዕሊ፡ ነቲ ዘይጠቕሞ ግን ዘብለጭልጭ ነገራት ሎሚ ኪረኽቦ ይመርጽ። ወድሰብ ብባህርያቱ ተታላላይ ብምዃኑ፡ ኣብዛ ዓለምና ውልቀመላኽያንን ኣምሰሉታትን ብህዝቢ ተጻዊቶም እዮም፡ ኪጻወቱውን ይነብሩ ኣለዉ። እተታለለ ሰብ ድማ፡ በይኑ ዘይኮነስ ብዙሓት ንኣኡ ዚመስሉ ከም ዘለዉ ምስ ዚፈልጥ፡ ከምቲ ሓንካስ ዝመራሒተን ኩለን የንደልህጻ እተባህለ፡ ከምኡውን ከምቲ ምስ ሰብካ መዓት ዳርጋ ግዓት ተባሂሉ እተመሰለ፡ ኣብቲ ናይ ምትላል ዓለም ብሰላምን ደስታን ምንባሩ ኣየጣዕሶን ዘይኮነስ፡ ዚርድኦ እውን ኣይመስልን እዩ።


ገለ ክፋል ናይቲ ህዝቢ ድማ፡ ነቲ ምትላል የስተብህለሉ እሞ፡ ኣብ ክንዲ ካብቲ ጽልዋኡ ኪላቐቕ ዚፍትን፡ ናብ መስተን ኣደንዛዚ ነገራትን ብምእታው፡ ናይ በይኑ ዓለም ፈጢሩ፡ ኣብ ናይ ደስታን ፍስሃን ሕልማዊት ዓለም ይነብር። መንእሰያት፡ ናይ ህይወት ትርጉም እናጸንከሮም ኣብ ዚኸደሉ ግዜ፡ ነቲ መልሲ ካብ መስተን ኣደንዛዚ ነገራትን እዮም ዚደልዩዎ። ካብ ዘይፈልጡዎ ሓቂ ድማ፡ ዚፈልጡዎን ዘለሊዩዎን ሓሶት እዩ ዚምቅሮም። ናይ ሰብ ከሚካላዊን ጀነቲካውን ሆርሞናውን ኣሰራርሓ ከም ዓይነታት ማኪና ይፈላለ ብምዃኑ፡ ገለ ሰብ ነቲ መሰረታዊ ሕቶታቱ ኣብ መስተ ምስ ተኣልከ ጥራይ ኪረኽቦ ከሎ፡ ገለ ድማ ኣብ ሃይማኖትን ኣብ ውሻጠታቱን ብምእታው ዝረኸቦ ይመስሎ። ወድሰብ ብሓፈሻ፡ ህይወቱን ምንባሩን ኣብ ምልክት ሕቶ ኪኣቱ ኸሎ እዩ ናብቲ ልዕለ-ፍጥረት ዝኾነ ዓለም ብምእታው፡ ንሕቶታቱ መልሲ ኪረክብ ዚደሊ። ከምዚ ምግባር፡ ባህርያዊ እኳ እንተ ኾነ፡ ነቲ ናይ ምሕሳብን ምህያስን

ምምርማርን ዓቕምታት ግን መብዛሕትኡ ግዜ የልምሶ እዩ።


እቶም ኣብ 19 ክፍለ ዘመን ንባዕዳዊ መግዛእቲ ተሓባበርቲ ዝነበሩ ናይ ሃይማኖት ሰበኽቲ፡ ቅድሚ እቶም ሰብ ጠበንጃ ናይ ወረራ ስራሖም ዚጅምሩ፡ ነቲ ናይቶም ኪግዝኡ ተመዲቡሎም ዝነበረ ህዝቢ ጽኑዕ ልብን ተኸራኻሪ ኣእምሮን ይወሩዎ ከም ዝነበሩ ኩሉ ታሪኽ ዘንብብ ሰብ ይፈልጦ እዩ። ንሳቶም፡ ነቲ ስብከቶም ከም ክሩዝ ሚሳይል ወይ ናፓልም ብምጥቃም፡ ነቲ ናይቶም ግዳያት ህዝቢ በዳሂ ኣእምሮን ነቕ ዘይብል መትከልን ብምዕናው፡ ነቶም ብድሕሪኦም ዝሰዓቡ ሰብ ጠበንጃን መዳፍዕን ጥጡሕ መገዲ ጸሪጎሙሎም እዮም። ኣብዚ እዋንዚ' ተመሳሳሊ ተንኮላት ዚካየድ ዘሎ ይመስል።

                                                                          - ኣማኑኤል ሳህለ

Copyright © 2023 Bana Mental Health - All Rights Reserved.

  • ርኸቡና
  • ፖሊሲ ብሕታዊ ስትረት
  • ውዕልን ኩነታት ጠለብን
  • መካነ-ስነጥበብ (Gallery)
  • ምስጋናታት (Credits)

Powered by GoDaddy

This website uses cookies.

We use cookies to analyze website traffic and optimize your website experience. By accepting our use of cookies, your data will be aggregated with all other user data.

Accept