ኣብ መንጎ እቲ እትጽበዮ ባህርያትን እቲ ኪኸውን ዚኽእል ናይ ኣእምሮ ሕማም ምልክታትን ዘሎ ፍልልይ ንምልላይ ኩሉ ግዜ ቀሊል ኣይኮነን። ናይ ኣእምሮ ሕማም ምህላው፡ ወይ ድማ ናይ ሓደ ሰብ ባህርያት ናይ ውልቁ ፍሉይ ባህርያት ዲዩስ ወይስ ሳዕቤን ኣካላዊ ሕማም ኢዩ ኢልካ ንምፍላጥ ዘገልግል ቀሊል ፈተነ የልቦን።
ነፍስወከፍ ሕማም ናቱ ምልክታት ኣለዎ፡ ይኹንምበር ናይ ኣባጽሕ ልሙዳት ናይ ኣእምሮ ሕማም ምልክታት ነዞም ዚስዕቡ ይጥንርፉ ኢዮም፥
ኩነታት ጥዕና ኣእምሮ ገና ኣብ ነኣሽቱ ህጻናት ኪጅምር ይኽእል ኢዩ። ንሳቶም ንሓሳባትን ስምዒታትን ከለልዩ ገና ይመሃሩ ስለ ዘለዉ እቲ ምልክታት ኣብ ባህርያቶም ኢዩ ዚረአ። ኣብ ህጻናት ዚረኣዩ ምልክታት ነዞም ዚስዕቡ ኪጥርንፍ ይኽእል፥
ሓገዝ እትረኽበሉ ቦታ ንስኻ ባዕልኻ ወይ ካልእ እትፈልጦ ሰብ ሓገዝ ምስ ዘድልዮ፡ ንኽትሕብር ኣይትፍራህ። ብዛዕባ ኣእምሮእዊ ጥዕና ክሳዕ ዚከኣለካ ምፍላጥ፡ ቀዳማይ ኣገዳሲ ስጕሚ ኢዩ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ሓደ እትፈልጦ ሰብ ረድኤት ምስ ዘድልዮ፡ ናብቲ ሃገራዊ ምዕጋት ነፍሰቅትለት መስመር National Suicide Prevention Lifeline በዚ ቁጽሪ ተለፎን'ዚ 1-800-273-8255 ብቕልጡፍ ደውል ወይ ድማ በዚ 911 ብቕልጡፍ ደውል።
ናይ ምንጻር ምርመራ ምግባር ነቲ ናይ መጠንቀቕታ ምልክታት ምፍላጥ፡ ንሓደ ክኢላ ንኸተዘራርብ ይሕግዘካ። ንብዙሓት ሰባት፡ ናይቲ ሕማም ኩነታት ምፍላጥ፡ ኣብቲ ዚካየድ ክንክን ከም ቀዳማይ ስጕሚ ኮይኑ የገልግል ኢዩ።
ንሕማም ኣእምሮ፡ ከም ሕማም ሽኮር ወይ ካንሰር፡ ብንጹር መገዲ መርመራ ከትካይደሉ ኣይከኣልን። ሓደ ክኢላ ኣእምሮኣዊ ጥዕና (እቲ ሓበሬታ ብቛንቋ እንግሊዝ ኢዩ) ነቲ ምልክታት ንምግምጋምን ነቲ ሕማም ንምንጻርን፡ ነቲ ብናይ ኣመሪካ ስነኣእምሮኣዊ ማሕበር እተሓትመ Diagnostic and Statistical Manual of Mental Disorders, ኢዩ ዚጥቀም።
ነቲ ሕማም ድሕሪ ምንጻር፡ እቶም ናይ ክንክን ኣገልገልቲ፡ ንምፍዋስን ክንክንን ወይ ናይ ኣነባብራ ለውጥታትን ብዚምልከት ናይ ሕክምና መደባት ኪሕንጽጹ ይኽእሉ ኢዮም። ክንክን ምርካብ ናይቲ ሕማምካ ንጹር ስእሊ ምህላው ቀዳማይ ስጕሚ ኢዩ። ድሌታትካን ዕላማታትካን ምፍላጥ እውን ኣገዳሲ ኢዩ።
ምንጪ: NAMI (ሃገራዊ ኪዳን ሕማማት ኣእምሮ National Alliance on Mental Illness)
ምልክታት ናይ ኣእምሮ ሕማም
ድምጺ : ፊቢ ኢዮብ
We use cookies to analyze website traffic and optimize your website experience. By accepting our use of cookies, your data will be aggregated with all other user data.