ደረጃታት ጓሂ/ትካዘ (Grief)
ናይ ኩብለር-ሮስ (Kübler-Ross) ናይ ጓሂ ሞደል (እተን ሓሙሽተ ደረጃታት ጓሂ)፡ ነተን ሓሙሽተ ፈለምቲ ናይ ክስራን ወይ ሕሰም ምላሻት ይገልጻ። ንሳተን ድማ ንጽገት፡ ሕርቃን፡ ዋጋዕዳጋን፡ ቃዝኖትን ምቕባልን ኢየን። ሓደ ዝጉሂ ሰብ በዘን ደረጃታት 'ዚኣተን ግድን ብመስርዕ ዘይኮነ ይሓልፍ፡ ከም ብሓድሽ ድማ ናብቲ ዝቐደመ ደረጃታት ኪምለስ ይኽእል።
1. ንጽገት: "እዚ ኪኸውን ኣይነበሮን፡ ብፍጹም።"
ሰባት ነቲ ዝተጓነፎም ክስራን ወይ ሕሰም ኣይቅበሉዎን ኢዮም። ወይ የነኣእሱዎ ወይ ድማ ነቲ ኩነታት ፈጺሞም ይነጽጉዎ። ከምዚ እናገበርካ ማለት ነቲ ኩነታት ኣሉ ብምባል ንነዊሕ ግዜ ምኻድ ጽቡቕ ኣይኮነን፡ እቲ ዝሓሸስ ምቕባሉ ኢዩ።
2. ሕርቃን: "እንታይ ስለ ዝበደልኩ ኢዩ ከምዚ ዝረክብ ዘሎኹ?"
ሓደ ሰብ ክስራን ወይ ሕሰም ምስ ወረዶ ምስ ነብሱን ምስ ሰባትን ይሓርቕ። ነቲ ኩነታት ዘይፍትሓዊ ገይሩ ብምርኣይ ድማ ነቲ ጠንቂ ናብ ካልእ ከሳግሮ ይፍትን።
3. ዋጋዕዳጋ ምግባር: "ነዚ ንምልዋጥ ዝከኣለኒ ክገብር እየ።"
ኣብዚ ናይ ዋጋዕዳጋ ኩነታት፡ እቲ ሰብ ነቲ ክስራን ወይ ሕሰም ኪልውጦ ወይ ከጽንሖ ይፍትን። ንኣብነት ምስ ተፋትሐ ነቲ ብጻይ ከፍትዎ ይፍትን፡ ወይ ድማ ኣብ ግዜ ቀታልን ዘይምሕርን ሕማም፡ ዘይንቡር መድሃኒታት ኪፍትን ይደሊ።
4. ቃዝኖት: "ድሕሪ ከምዚ ዝበለ ክሳራኸ ምቕጻል እንታይ ኢዩ ትርፉ?"
ኣብቲ ደረጃ ቃዝኖት ምስ በጽሐ፡ እቲ ሰብ ነቲ ክስራን ወይ ሕሰም ከም እተፈጸመ ወይ ኪፍጸም ከም ዚኽእል ተቐቢሉዎ ኣሎ ማለት ኢዩ። ሽዑ ንበይኑ ብሒቱ ኪበክን ከስቆርቁርን ይጅምር። ቃዝኖት ናይ ምቕባል ምልክት ኢዩ፡ ምኽንያቱ ድማ ንሕሰም ምስ ተቐበልካዮ ኢዩ እቲ ቃዝኖት ዝመጽእ::
5. ምቕባል: "ደሓን፡ ክሓልፍ ኢዩ።"
ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ግዳይ ነቲ ክስራን ወይ ሕሰም ይቕበሎ። ነቲ ኩነታት ብስነመጎታዊ መገዲ ይርእዮ ብድሕርዚ ድማ ምስቲ ኩነታቱ ይላለን ይተዓረቕን።
ደረጃታት ጓሂ
ድምጺ : ፊቢ ኢዮብ
We use cookies to analyze website traffic and optimize your website experience. By accepting our use of cookies, your data will be aggregated with all other user data.