መቅድም
ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ነተን ድሕረ ሕርሲ ዚመጻ 28 መዓልታት ከም ናይ ሓድሽ-ውልዶ ግዜ ገይሩ መዲቡወን ኣሎ። ብወግዒ እኳ እንተ ዘይተመደበ፡ እቲ ድሕሪ ሕርሲ ዚስዕብ ግዜ፡ ድሕሪ ናይቲ መዳሕንቲ ምውጻእ ኣስታት ሓደ ሰዓት ጸኒሑ ኢዩ ዚጅምር፡ ድሕሪ ሕርሲ ሽድሽተ ሰሙናት ጸኒሑ ድማ ይውድእ። ድሕሪ ሽድሽተ ሰሙናት እቲ ናይታ ኣደ ኣካላዊ ኩነታት መብዛሕትኡ ግዜ ናብቲ ቅድመ-ጥንሲ ዝነበረ ኩነታት ይምለስ።
ኣብ መንጎ ሕርስን ኣእምሮኣዊ ረብሻን ዘሎ ዝምድና ኣዚዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ኣብዚ ተኣፋፊ ድሕረሕርሳዊ ግዜ ከኣ'ዩ እታ ኣደን ውላዳን ንኣካላውን ስምዒታውን ጸገማት ዚቃልዑ። ኣብቲ እዋን'ቲ፡ ነተን ንድሕረሕርሳዊ ቅዛኖት (PPD) ኣዚየን እተቓልዓ ኣዴታት ተወሳኺ ክንክን ኪግበረለን ይግባእ። ጠንቂ ድሕረሕርሳዊ ቃዝኖት እተሓላለኸ ብምዃኑ ብብዙሓት ናይ ክንክንን ጥዕናን ሞያተኛታትን ዳርጋ ኪስትውዓል ኣይከኣለን። እቲ ብድሕረሕርሲ ዚኽሰት ኣብ መትንታት ሓንጎል ዚኽሰት ለውጥን፡ ኣብ ሕርሲ ዚፍጠር ጭንቀትን፡ ከምኡውን ናይ ውርሻ ዘርኢን ኣከባብን፡ ናይ ስነልቦናዊ ጸገማት ኣለዓዓልትን፡ ብሓደ ኮይኖም ኣብ ገለ ኣንስቲ ድሕረሕርሳዊ ቃዝኖት ይፈጥሩ ኢዮም።
ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ናይ ሓንጎል ከሚካዊ ባህርያት፡ ነቲ ኣብ ኣንስቲ ዚፍጠር ዑደታዊ ናይ ሆርሞን ቅርጽታትን
ናይ መንፈስ ምዝንባልን ከም ዘስዕቡ ዚገልጽ ተዮሪ ይጥርንፍ ኢዩ። ከም ኣብ ዝሓለፈ ህይወት ዝነበረ ናይ መንፈስ ምዝንባል፡ ስድራቤታዊ ናይ ቃዝኖት ታሪኽ፡ ምስ በዓልቤት/በዓልቲቤትን ስድራቤትን ብጾትን ዚፍጠር ጭንቀታዊ ዝምድና፡ ምሉእ ዘይኮነ ማሕበራዊ ደገፍ ዝኣመሰሉ ስነልቦናውያን ረቛሒታት፡ ኣብ ምምዕባል ድሕረሕርሳዊ ቃዝኖት ዓቢ ተራ ይጻወቱ ኢዮም።
ጠንቃውያን ረቛሒታት (RISK FACTORS)
ቅድሚ ጥንሲ ጎሊሖም ዚረኣዩ ጠንቃውያን ረቛሒታት ድሕረሕርሳዊ ቃዝኖት (PPD) ንኹለን ኣብ ኩሉ ክልል ዕድመን ቁጠባዊ ኩነታትን ዓሌታዊ/ብሄራዊ ድሕረባይታን ዘለዋ ደቀንስትዮ የጥቅዕ። ጥንስቲ ወይ ዝወለደት ሰበይቲ ብPPD ክትጥቃዕ ትኽእል ኢያ። እቲ ውላድ ናይ መጀምርያ ይኹን ወይ ኣብ መንጎ ብዙሕ ወሊድ ይኹን ብዘየገድስ እቲ ናይ PPD መጥቃዕቲ ኩሉ ግዜ ኣሎ። ይኹንምበር፡ እተን ናይ ቃዝኖት ድሕረባይታ ዘለውን ኣንስቲ፡ ካብተን ናይ ቃዝኖት ድሕረባይታ ዘይብለን ኣንስቲ ዝለዓለ ናይ PPD ምምዕባል ዕድላት ኣለወን።
እቲ ናይ PPD መጥቃዕቲ ኣብተን ትሕቲ 25 ዓመት ዕድመ ዘለወንን ርጉእ መንፈስ ዘይነበረንን ኣንስቲ ዝያዳ ንኸጥቅዕ ዕድል ኣለዎ። ካብዚኣተን፡ 30-40 ካብ ምእቲ ናይ ድሕረሕርሳዊ ቃዝኖት ከም ዘርእያ ይግምገም። ቅድሚ ጥንሲ፡ PPD ንምምዕባል ዘሎ ዕድላት ዘብዝሑ ረቛሒታት ብዚምልከት ተወሰኽቲ ጠንቅታት ኣለዉ፡ ከም ኣብነት፥
ናይ ድሕረሕርሳዊ ምዝበላ ዓይነታትን ክብደትን ድሕረሕርሳዊ ትካዘ ከም ትካዘ ዕሸል ዚፍለጥ ድሕረሕርሳዊ ትካዘ፡ ኣብ ኣስታት 70 ክሳዕ 85 ሚእታዊት ሓደስቲ ሓራሳት ዚኽሰት ኣዚዩ ግኑን ዝኾነ ድሕረሕርሳዊ ናይ መንፈስ ምዝበላ ኢዩ። ከም ልምዲ፡ ድሕሪ ሕርሲ ቁሩብ ጸኒሑ ኢዩ ዚኽሰት፡ ድሕሪ 10 መዓልታት ድማ ደው ይብል። ብመሰረት ናይቲ ብኣይለስን ብጾቱን እተገብረ መጽናዕቲ፡ እቲ ናይ መንፈስ ምልዋጥ ድሕሪ ሕርሲ ኣብ ሓምሻይ መዓልቲ ክብ ይብል፡ ኣብ ዓስራይ መዓልቲ ድማ የንቆልቁል። እዚ ድማ ከም ድሕሪ ሕርሲ ዚኽሰት ስምዒታዊ ነውጺ (emotional upheaval) ኮይኑ ይፍለጥ። ናይቲ ድሕረሕርሳዊ ትካዘ ምልክታት፡ ቀጻሊ ምብካይን ስቕ ኢልካ ምንባዕን ኢዮም።
ሚለርን ሩክስታሊስን ግን ነቲ ምስ ድሕረሕርሳዊ ትካዘ ዚኽሰት ናይ መንፈስ ምግልብባጥ: ድሕረሕርሳዊ ግብረመልሲ ብምባል ኪገልጹዎ ይመርጹ፡ ምኽንያቱ ድማ ትካዘ (blues) ዚብል ቃል ምስ ቃዝኖት ስለ ዘደናግር ኢዩ። ይኹንምበር፡ እቲ ዕሸላዊ ትካዘ ዚብል ቃል ኣብ ዘመናዊ ባህሊ ግኑን ኢዩ፡ ነቲ ድሕሪ ሕርሲ ቁሩብ ጸኒሑ ዚኽሰት ኩነታት ንምግላጽ ድማ ይዝውተር ኣሎ። ምእንቲ ካብ ምድንጋር ክትድሕንን ኣብ ፍወሳ ድማ ኪጠቕመካንሲ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ድሕረሕርሳዊ ትካዘን
PPDን ዘሎ ፍልልያት ምፍላጡ ኣገዳሲ ኢዩ።
ድሕረሕርሳዊ ትካዘ በዞም ዚስዕቡ ባህርያት ይልለ፥ ንቀስቃሲ ነገራት ብልዑል ደረጃ ግብረመልሲ ምሃብ፡ ገፊሕ ናይ መንፈስ ውዝወዛ፡ ምንባዕን ቀልጢፍካ ምንዳርን። እቲ በተን ዝሓርሳ ኣንስቲ ዚምኰር ናይ ጉልበት ጽንቓቐን ድኻምን ነቲ ናይ ስርዓተ ድቃስ ብርኡይ መገዲ ይልውጦ ኢዩ፣ እዚ ድማ ብወገኑ ነቲ ድቃስ ዚኸልእ ናይ መንፈስ ምልውዋጥን ገርጨውጨው ምባልን ይፈጥሮ። ናይ ድሕረሕርሳዊ ትካዘ ጠንቂ፡ ብባህርያቱ ኣካላዊ ወይ ፊዚዮሎጅያዊ ኢዩ።
ናይ ድሕረሕርሳዊ ትካዘ ኣጋጣሚታት ኣብ እተፈላለየ ባህልታት ይፈላለ ኢዩ፣ ይኹንምበር፡ ኣብ ኩሉ ባህልታት ይኽሰት ኢዩ። እቲ ኣብ እተፈላለዩ ባህልታት ዘሎ ስነልቦናዊ ፍልልያት ነቲ ናይ ደቀንስትዮ ስምዒታዊ ባህርያት ይጸልዎ ኢዩ፡ ግን እቲ ትካዘ ኩሉ ግዜ ኣብ ቦታኡ ኣሎ። ስለዚ ነዚ ኩነታት'ዚ ብጽፉፍ መገዲ ንምግምጋም መጽናዕቲ ይካየድ ኣሎ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ፡ ቀጻሊ ምብካይን ምንባዕን ናይቲ ድሕረሕርሳዊ ትካዘ ስምዒታዊ ግብረመልሲ ኢዩ። እቲ ምንባዕ ግድን ምስ ጓሂ እተኣሳሰረ ኣይኮነን፡ ግን ነቲ ጉድለት ዋሕዚ ጸባ ጡብ፡ ነቲ ካብተን ኣለይቲ ሕሙማት ምሉእ ኣተኩሮ ዘይምርካብ ወይ ዝያዳ ኣተኩሮ ምርካብ፡ ወይ ድማ ነቲ ገለ ብኣሽካዕላል ዚድርበ ቃላት ምኽንያት ገይሩ ኪኽሰት ይኽእል ኢዩ።
ብሓጺሩ፡ ናይ ስምዒት ተነቃፍነት ኣሎ። ምስ ሕርሲ ዚመጹ ስምዒታት፡ ኣመና እተጋነኑ ምስ ዘይኮኑን ኣብ ውሽጢ ሰሙን ወይ ክልተ ሰሙን ዚጠፍኡ ድማ ምስ ዚኾኑን፡ ከም ልሙዳትን ኣድለይትን ኢዮም ዚቑጸሩ። ምልክታትን ኣንፈታትን ድሕረሕርሳዊ ትካዘ ነዞም ዚስዕቡ የጠቓልል፥
ስምዒታውያን ምልክታት
ኣካላውያን ምልክታት
ናይ ተገንዝቦ ምልክታት (Cognitive Symptoms)
እቶም ንሓንቲ ብድሕረሕርሳዊ ትካዘ ትሳቐ ዘላ ኣደ ዚከናኸኑ ናይ ጥዕና ሞያተኛታት ብትዕግስቲ ኪሰምዑዋን እቲ ዘሳቕያ ዘሎ ጸገማት ድማ ኣብ ኩለን ሓራሳት ከም ዘሎን፡ ንነብሳ ክትወቅስ ከም ዘይብላን፡ እቲ ጸገማታ ቀልጢፉ ከም ዚውዳእን፡ ናብ ናይ ቀደም ኩነታታ ክትምለስ ከም ዝኾነትን ኪገልጹላ ይግባእ። ኣንስቲ ኣብቲ ቅድመሕርሲ ዚካየድ ምብጻሕ ብፍሉይ ጉጅለ ኣለይቲ ሕሙማት ክንክን ይግበረለን፡ ድሕሪ ሕርሲ ድማ ብኻልእ ጉጅለ ክንክን ይግበረለን። እዚ ርእሱ ዝኸኣለ ጸገማት ኣለዎ።
እቲ ኣብታ ብድሕረሕርሳዊ ትካዘ ትሳቐ ዘላ ኣደ በቶም ኣለይቲ ሕሙማንን ካልኦት ናይ ክንክን ጥዕና ሰብ-ሞያን ዚረአ ኣተሓሕዛን ኣገባብን ነታ ኣደ ንኽትሓዊ ኪሕግዛ ወይ ከግድደላ ይኽእል ኢዩ። ድሕረሕርሳዊ ግዜ፡ ንዝኾነ ኣደ ኣዚዩ በዳሂ ኢዩ፡ ብዝያዳ ግን ነተን ንመጀመርታ ግዜ ዚሓርሳ ኣዚዩ ከቢድ ኢዩ፡ ምኽንያቱ ድማ ነቲ ሓድሽ ናይ ኣደነት ሓላፍነት ብስግኣትን ብፍርህን ስለ ዚርእያኦ ኢዩ። እዚ ድማ ነቲ ብዙሕ ክንክን ዘድልዮ ህጻን ንምእላይ ኣብ ዝዳለዋሉ ግዜ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ካብ ድኻምን ድቃስ-ኣልቦን ጸገማት ዕረፍቲ እናደለያ ከለዋ ዘጓንፍ ብምዃኑ፡ ሕልናአን ከዕርቦ ይኽእል ኢዩ።
ኣብ ገሊኡ ባህልታት፡ ኣብ እንዳ ሓዳስ ሓራስ ምብጻሕ፡ ነታ ሓራስ የተባብዓን ምዕዶ ከም እትረክብ ድማ ይገብራን ኢዩ። ንኣብነት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣለይቲ ሕሙማት ናብ እንዳ ሓዳስ ሓራስ ከይደን የተባብዓን ምኽሪ ይህባን ኢየን። ኣብ ኣመሪካ ግን ከምዚ ምግባር ልሙድ ኣይኮነን። ሓደስቲ ኣዴታት'ውን ኣብዚ ፍሉይን ጭንቀት ዝመልኦን ግዜ እኹል ደገፍ ኣይረኽባን ኢየን። መብዛትኡ እዋን እታ ኣደ ቀልጢፋ ኢያ ካብ እንዳ ሓራሳት እትወጽእ፡ ናብ ገዝኣ ብምኻድ ድማ ነቲ ዚስዕብ ብድሕረ ሕርሲ ዚመጽእ ንነብሰ ምእላይን ንክንክን ውላድን ዚምልከት ዕማማት ባዕላ እያ እትወጾ።
ካብተን በቲ ሓላፊ ዝኾነ ድሕረሕርሳዊ ትካዘ ዚሳቐያ ኣንስቲ 10-20 ሚእታዊት ኣብ ቀጻሊ ኣዚየን በቲ ቃዝኖት ይሳቐያ ኢየን። እዚ ከቢድ ዝኾነ ናይ ቃዝኖት መጥቃዕቲ፡ ኣብቲ ምዕባሌ ድሕረሕርሳዊ ትካዘ ዘይነበረ ስነኣእምሮን ስነኣኣምሮኣውን-ማሕበራውን ረቛሒታት ዝጠርነፈ ኢዩ። ናይቲ ኣዚዩ ሓደገኛ ቃዝኖት ፈላሚ ምልክታት፡ ነፍሰቅትለት ኣብ ሓሳብ ዘእተወ ናይ ሕልና ምዕራብ ኩነታት ኢዩ። እዚ ኪርሳዕ ኣይግባእን።
ድሕሪ ሕርሲ፡ ሕልና ምዕራብ ባህርያዊ ኢዩ፡ ናይ ነፍሰቅትለት ሓሳባት ምህላው ግን ባህርያዊ ወይ ልሙድ ኣይኮነን። ካብ ክልተ ሰሙናት ዚነውሕ ናይ ሕልና ምዕራብን ጭንቀትን ምስ ዘጋጥም፡ እቲ ሕሙም ወይ ግዳይ ናይ ቃዝኖት መርመራ ከም ዘድልዮ ዘረእይ ናይ ስምዕታ ምልክታት ኮይኑ ኪውሰድ ይግባእ።
We use cookies to analyze website traffic and optimize your website experience. By accepting our use of cookies, your data will be aggregated with all other user data.