ኩሉ ነገር ትም ኢልካ ምስ እትርእዮ፡ ናብቲ ናይ ጥንቲ ባህርያቱ እዩ ኪምለስ ዚደሊ። ማለት ንሓደ ስፍራ-ኣታኽልቲ ትም ኢልካ ምስ እትርእዮ፡ ግዜ ወሲዱ ናብ እንዳ ኣትማንን ኣናጹን እዩ ዚልወጥ። እቲ ኣብኡ ቦቒሉ በነበረ ግሩም ፍረታት ድማ ብኣእሻዅን ካልእ ተሰማሚዑዎ ዝበቖለ ጻህያይን ቆጥቋጥን ይትካእ።
ጻዕሪ ዝጎደሎ ኩሉ ስራሕ ወይ መስርሕ፡ ናብቲ ጥንታውን መበቆላውን ባህርያቱ ንኺምለስ ግዜ ኣይወስድን። ለውጢ ንኺመጽ፡ ደፋኢ ወይ ኣንቀሳቓሲ ሓይሊ የድሊ። እዚ ዩኒቭርስ፡ እተፈላለየ ብርታዐ ዘለዎ ኤነርጂ ወይ ጸዓት እንተ ዚጎድሎ ናብ ምዕናው ገጹ ምተጓዕዘ ነይሩ። እዚ ኩነትዚ ብግሪኽ ኤንትሮፒ ይብሃል። ናብ ተዛማዲ ስቕታ ይልወጥ ማለት እዩ። ትም ምባልን ንድሕሪት ምጕዓዝን ዳርጋ ኩሉ ሕደ እዩ።
ወድሰብ ንኺልወጥ ግድን ኪሓስብ ኣለዎ። ብዘይ ምሕሳብ፡ ማለት ነቲ ብደመነፍሲ ዚምራሕ ኣእምሮኡ ንነዊሕ ትም ኢሉ ምስ ዚርእዮ፡ ምዕባለ ከርእይ ኣይክእልን። ንወድሰብ ናይ ኣእምሮ ደው ምባል እዩ ንነዊሕ ግዜ ካብ በዓትን ጫካን ከም ዘይወጽእ ዝገበሮ።
ኣብ በዓትን ጫካን ምንባር ጥዑም እዩ። ኣእምሮኻ ብዙሕ ኣይሓስብን፡ ኣይደክምን። ሕራይ ኣእምሮኻስ ኣይደክምን ይኸውን፡ ኣብ ክንድኡ ግን ኣካላትካ ይደክም እዩ። ማለት፡ ሰኣን ቀስቲ ምሂዝካ ፍላጻ ወርዊርካ ነታ ካባኻ ንላዕሊ እትጎዪ ዓጋዜን እትቐትላ፡ ምሉእ መዓልቲ ደድሕሪኣ ክትጎዪ ትውዕል። ብድኻም ተሰኒፍካ ምስ ወደቕካ፡ ድራርካ ከይሓዝካ ንበዓትኻ ትምልሰ። ንኣእምሮኻ ኣስሪሕካ፡ ተወንጫፊ ነገራት ምሂዝካ እንተ ትነብር ግን፡ ደው ኢልካ ከሎኻ ፍላጻኻ ወርዊርካ ምቐተልካያ። ድኻምካ ምቖጠብካ፡ ተደሪርካ ድማ ምሓደርካ።
ሓደ እዋን ግን፡ ክትሓስብ ጀሚርካ። ኣእምሮኻ ስለምንታይ ዚብል ሓድሽ ኣመል ኣምጺኡ። ስለምንታይ ዝደክም? ስለምንታይ ከምዚ ዘይገብር? ወዘተ. ኣእምሮ ወድሰብ ንኺሓስብ ኢሉ እዩ ተፈጢሩ። ስለ ዝሓሰብካ እኮዩ ቀስቲ ክትሰርሕ ዝኸኣልካ። ሳላ እተፈላሰፍካ እዩ ወንጭፍ ወይ ኲናት ከተጥሪ ዝኸኣልካ። ከምዚ ብምግባርካ ናይ ዕለት እንጌራኻ ክትምእርር ክኢልካ። ናብቲ ዚቕጽል ናይ ምዕባለ ደረጃ ድማ ደዪብካ። ይኹንምበር፡ ክልተ ዓይነት ኣተሓሳስባ ድማ ኣሎ። ኣብ ማሪት እተመርኮሰ ብሓደ ወገን፡ ኣብ ጭቡጥን ሳየንሳውን ስነሞገታውን፡ ኣብ ትዕዝብትን ምርምርን ኣብ ህየሳዊ ትንተናን እተሞርከሰ ድማ ብኻልእ ወገን። እቲ ኣብ በዓቲ ዚነብር ዝነበረ ሃዳናይ፡ እታ ዓጋዜን ገዲፋቶ ክትዕዘር ከላ፡ እሞ ናይ ጥምየትን ሞትን ደበና ከንጸላሉዎ ከሎ፡ ንጸሓይ ወይ ንወርሒ ከማኽራ ዚብል ሓሳብ መጺኡዎ ይኸውን እዩ። ነቶም ምስ ደቀሰ ናብ ኣእምሮኡ እናተመላለሱ ዘናውጹዎ ዝነበሩ መናፍስቲ ለሚኑዎም ይኸውን እዩ። እንታይ ደኣሞ ኪገብር።
ካልእ ኣብ በዓቲ ዚነበር ሃዳናይ ግን፡ ብዛዕባታ ጎይዩ ክሕዛ ወይ ኪቐትላ ዘይክእል ዝነበረ ዓጋዜን ኪሓስብ ከሎ፡ ኣነኳ ብእግረይ እንተ ዘይኣርከብኩዋ፡ ተወርዊሩ ዘርክባን ዝወግኣን በሊሕ ነገር ዘይሰርሕ ዚብል ሓሳባት መጺኡዎ ይኸውን። ካብ ትዕዝብቱን ካብ ምርምሩን ዝመንጨወ፡ ዝምጠጥን ዝግተርን መንትግ ኪሰርሕ ክኢሉ። እግሩ ከየዘውተረ ከም እግሪ ኮይኑ ዚለኣኾ ኲናት ምሂዙ። ተዓዊቱን ተደሪሩን።
ከምቲ ሓሳባት ንኹነታት ዚጸልዉዎ፡ ኩነታት ድማ ንሓሳባት ይጸልዉዎ እዮም። ናይ ዓለም ወይ መሬት መሰረታዊ ኩነታት ምስ እንዕዘብ፡ እቲ መስርሕ ኣብ ምስፋን ናይቲ ብቑዕ ናይ ምርዓም ክእለት ዘለዎ (ሰርቫይቫል ኣቭ ዘ ፊተስት) እተመስረተ እዩ። ብሓጺሩ፡ ኣብዚ ዓለም ዚነብር ኩሉ ሰብ ይኹን ወይ እንስሳ ወይ ቡቕሊ ዘዋጽኦ ስለ ዝገበረ እዩ ዚነብር ዘሎ። ዘዋጽኦ ክንብል ከሎና፡ ነቲ ንህይወቱ ዚዕቅቦ፡ ቀጻልነት ዚህቦ፡ ከም ዚነብርን ዚፋረን ዚገብሮ መገዲ ወይ ብልሃት ይወስድ ማለት እዩ። ግን ከኣ ዘዋጽኦ ገይሩ ከሎ ዝጠፍአውን ነይሩ። ምናልባት ነቲ ዘዋጽኦ ብልሓት ወይ ሓሳባት ወይ ርኽበት ግሩም ገይሩ ስለ ዘይተጠቐመሉ ኪኸውን ይኽእል፡ ወይ ከኣ ንኪጥቀመሉ እኹል ብቕዓት ዘየጥረየ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል። ወይውን ብዘይፈልጦ ኩነታት ተሰኒፉ ኪኸውን ይኽእል።
ወድሰብ ንህይወትን ንናብራን በዚ መንፈስዚ ተደሪኹ ክርእዮ ከሎ፡ ግድን ህይወቱ ዚዕቅበሉን ሓድጊ ገዲፉ ዚኸደሉን መገዲ ኪደሊ ይግደድ ነይሩ። ከይቀደመኒ ኪቕድሞ እዩ ነይሩ እቲ ኣገባብ። ትም ምስ እትብል ስለ እትብላዕ፡ ወይ ክትቃለስ ወይ ከኣ ክትሃድም እዩ ዘዋጽኣካ። ነፍስኻ ንምዕቃብ፡ ሓድጊ ንምግዳፍ ኩሉ ዘዋጻኣካ ክትገብር ናይዚ ዓለምዚ ሕጊ እዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት፡ ወድሰብ ነቲ ናይ ምግባትን ምዕማጽን ዝንባለ ከም ኣማራጺ ዘይብሉ ኣካይዳ ገይሩ ስለ ዘቐመጦ፡ ኩሉ ናይ ወድሰብ ፖለቲካዊ ይኹን ቁጠባዊ፡ ስጋዊ ይኹን መንፈሳዊ፡ ውልቃዊ ይኹን ማሕበራዊ ተግባራትን ውጥናትን ካብዚ ናይ ምግባትን ምኽዕባትን ምዕማጽን ዓንኬልዚ ኪወጽእ ኣይክእልን። ኩሉ ኪነብር እዩ ዚቆራቖስ። ነቲ ከይነብር ዝኸልኦ ድማ ብእተፈላለየ መገድን ብልሃትን ገይሩ ካብቲ መገዲ ኪኣልዮን ከድክሞን ይፍትን።
ኣብ ላዕሊ ዘረኣናዮም ሃደንቲ፡ ናይ ወድሰብ ነባሪ ቅርጺ እዮም። እቲ ሓደ ኣብ ማሪት እቲ ሓደ ድማ ኣብ ስነመጎት ብምምርኳስ ህይወቶም ኪመርሑ ክኢሎም። ይኹንምበር፡ እቲ ኣብ ማሪት ዚኣምን ዝነበረ እኹል ዘናብሮ መግቢ ክረክብ ብዘይ ምኽኣሉ ንኺነብርን ንኺፋረን ብማለት ግድን ናይቲ ካልኣይ ሃዳናይ ኣገባብ ኣተሓሳስባ ካብ ምኽታል ከምልጥ ኣይከኣለን። ኣብዚ ዓለም ኣንጻርቲ ንቡር ናይ ወድሰብ ኣተሓስስባ ዚኸዱ ሰባት እንተ ዘይህልዉ ነይሮም፡ ዝኾነ ማሕበራዊ ይኹን ቁጠባዊ ወይ ተክኖሎጂካዊ ለውጢ ኣይምተራእየን። ኣንጻር እቲ ዚውሕዝ ሓሳባት ምኻድ ማለት፡ ነቲ ዝነበረ ምፍራስ ዘይኮነስ፡ ንኣኡ ዚብድህ ሓድሽ ነገር ምትካል ማለት እዩ።
ዝኣረጉ ሓሳባትን እምነታትን ብሂላትን ነቲ ናይ ምምርማር፡ ምድህሳስ፡ ምትንታን፡ ምፍታንን ኣእምሮኣዊ ድራኸታት ስለ ዝዓጽዉዎን ዝደፍኑዎን፡ ኣብ ድሕረትን ድንቁርናን ዘለዎም ጽልዋ ኣዚዩ ዓቢ እዩ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ፡ ናይ ወድሰብ መሰረታዊ ባህርያት ኣብቲ ናይ ምግባትን ምዕማጽን፡ ከይቀደመኒ ክቕድሞ ዚብል ደመነፍሲ እተመርኮሰ ብምዃኑ፡ እቲ ሳየንሳውን ስነሞገታውን ኣተሓሳስባውን ውዒሉ ሓዲሩስ ነቲ ናይ ወድሰብ ኣሉታዊ ባህርያት ምግልጋሉ ኣይተርፎንዩ ዚብል ርእይቶ ኪለዓል ይኽእል እዩ። ከም ሓቂ፡ ወድሰብ ብሳየንሳዊ መገዲ እናተመርሐውን ነቲ ምህዞታቱን ርኽበታቱን ኣብ ሕማቕ ከውዕሎ ይኽእል እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ግን እቲ ምሕሳብን ምምርማርን ደው ኪብል ኣይግባእን፡ ከመይሲ ኩሉ ማሕበራዊ ይኹን ቁጠባዊ ወይ ፖለቲካዊ ምዕባለታት፡ ኣብ ዓሚቝ ምሕሳብን ምምርምርን ደኣምበር ኣብ ማሪትን ኣጉል እምነትን እተመርኮሰ ኣይኮነን።
ኣብ ማሪትን ኣጉል እምነትን ስምዒትን እተሞርኮስ ኩሉ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ድሕረትን ድንቍርናን እዩ ዚዕድም። ናይ ምጥርጣርን ምልዋጥን ናይ ደጋጊምካ ምምርማርን ባህርያት ስለ ዘይብሉ፡ ነቲ ናይ ምሕሳብን ምትንታንን ኣፍደገታት ብምዕጻው፡ ናይ በይኑ ዝኾነት ሕልማዊትን ምትሃታዊትን ዓለም ይፈጥር። ናይ ወድሰብ ሰብኣዊ መሰላትን ክብርታትን ፍትሓውነትን ማዕርነትን ተጻዋርነትን ድማ ኣብዛ እተጠቕሰት ዓለም ፈጺሙ ቦታ ኪህሉዎ ኣይክእልን።
-ኣማኑኤል ሳህለ
We use cookies to analyze website traffic and optimize your website experience. By accepting our use of cookies, your data will be aggregated with all other user data.