ናይ መንፈስ ውዝወዛ (Bipolar)
ብውዝወዛ መንፈስ ዚኽሰት ሕንፍሽፍሽ (bipolar disorder)፡ ኣብ ናይ ሰብ መንፈስን ሓይልን ኣብ ንጹርነት ምሕሳብን ዓቢ ለውጢ ዘምጽእ ሕማም ኢዩ። ውዝወዛ መንፈስ ዘለዎም ሰባት እቲ መንፈሶም (mood) ልዕልን ትሕትን ኢዩ ዚብል -- ከም ብርቱዕ ወልፋዊ ጽላለን ቃዝኖትን ድማ ይፍለጥ -- እዚ ድማ ካብቲ ልሙድ ዝኾነ ልዕልን ትሕትን ዚብል ናይ ወድሰብ መንፈስ እተፈለየ ኢዩ።
እቲ ገምጋማዊ ዕድመ መጥቃዕቲ 25 ኢዩ ግን ኣብ ግዜ ጉብዝና ወይ ድማ ስሕት ኢሉ ኣብ ግዜ ህጻንነት እውን ይመጽእ ኢዩ። እቲ ሕማም ንሰብኡትን ንኣንስትን ብማዕረ የጥቅዕ፡ ከምዚ ብምዃኑ ድማ ኣብ ኣመሪካ ኣስታት 2.8% ብናይ ውዝወዛ መንፈስ ወይ ባይፖላር ኪጥቅዑ ከለዉ፡ 83% ድማ ከም ብርቱዕ ወይ ሓደገኛ ተመዲቡ ተመዝጊቡ ኣሎ። ናይ ውዝወዛ መንፈስ ሕማም፡ ክንክን ምስ ዘይውሰደሉ እናገደደ ኢዩ ዚኸይድ። ይኹንምበር ብግሩም ዝኾነ ናይ ክንክን ኣገባብ፡ ከም ሳይኮተራፒ፡ ኣፋውስ፡ ጥዑይ ኣገባብ መነባብሮ፡ ስሩዕ መደባትን ናይቲ ሕማም ብኣጋ ምፍላጥን፡ ንብዙሓት ንቡር ህይወት ከም ዚህሉዎም ይገብር ኢዩ።
ምልክታት ሕማም
ምልክታቶምን ብርታዐኦምን ኪፈላለ ይኽእል ኢዩ። ሓደ ኣብ ውዝወዛ መንፈስ ዘሎ ሰብ፡ ብርቱዕ ሓጎስን ብርቱዕ ቃዝኖትን ኪህሉዎ ይኽእል ኢዩ፡ ግን ድማ ሓድሓደ ግዜ ንነዊሕ እዋን ወይ ውን ንዓመታት ብዘይ ምልክታት ኪነብር ይኽእል ኢዩ። ገለ ሰብ ድማ ብርቱዕ ሓጎስን ብርቱዕ ጓህን ብሓደ ግዜ ወይ ድማ ብተኸታታሊ ኪጥቃዕ ይኽእል ኢዩ።
ናይ ውዝወዛ መንፈስ ብርቱዕ ደስታን ጓህን ከም ሃተፍተፍን ስምዒት ድንገራን (delusion)ዝኣመሰሉ ናይ ሕማም ኣእምሮ ምልክታት የኸትል። እዞም ምልክታት ዚኣቶም፡ መብዛሕትኡ እዋን፡ ናይቲ ሰብ ኣብ ጥርዙ ዝበጽሐ መንፈስ የንጸባርቑ። እቶም ናይ ውዝወዛ መንፈስ ጸገም ዘለዎም እሞ ናይ ጽላለ ምልክታት ድማ ዘርእዩ ሰባት፡ ብጌጋ ከም ንጽለት ዘለዎም ኮይኖም ይቝጸሩ ኢዮም።
ጽላለ (ናብ ሓደ ነገር ዘተኮረ ወይ ወልፋዊ ጽላለ)፥ ሓደ ሰብ ናይ ውዝዋዘ መንፈስ ጸገማት ኣለዎ ንኺብሃል፡ ብውሑድ ሓደ ግዜ ናይ ጽላለ ወይ ትሕተ-ጽላለ (mania or hypomania) ኩነታት ከርኢ ኣለዎ። ትሕተ-ጽላለ ካብ ጽላለ ፍኹስ ዝበለ ኢዩ፡ ናይ ሕማም ሓንጎል ተግባራት ድማ ኣየርእን ኢዩ።ትሕተ-ጽላለ ዘለዎም ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ማሕበረሰብ ወይ ኣብ ስራሕ ንኺዋስኡ ጸገም የብሎምን።
ገለ ናይ መንፈስ ውዝወዛ ጸገማት ዘለዎም ሰባት ኣብ ህይወቶም ዚደጋገም ናይ ጽላለን ትሕተ-ጽላለን ባህርያት የርእዩ ኢዮም። ገለ ድማ ስሕት ኢሎም ጥራይ ኢዮም ዘርእዩዎ። ሓደ ውዝወዛ መንፈስ ዘለዎ ሰብ እቲ ልዕል ዝበለ ናይ ሓጎስ ጽላለኡ ደስ ኪብሎ ይኽእል ኢዩ -- ብፍላይ ድማ እዚ ናይ ሓጎስ ጽላለ ድሕሪ
ቃዝኖት ምስ ዚኽሰት -- እቲ ልዑል ሓጎስ ብጽቡቕ ኣይውዳእን ኢዩ። እቲ ሰብ መንፈሱ ቀልጢፉ ናብ ገርጨውጨው ኪልወጥ ይኽእል ኢዩ፡ እቲ ባህርያቱ ድማ ዘይተጸበኻዮ ይኸውን፡ ኣብቲ ዚህቦ ግምገማታት ድማ ብልሽት ይረአ። ኣብቲ ግዜ ሕጉስ ጽላለ፡ ሰባት ብሃንደበታዊ መገዲ ኢዮም ዚነጥፉ፡ ሓደገኛ ውሳኔታት ይወስዱ፡ ኣብ ዘየድሊ ሓደጋ ድማ ኪኣትዉ ይደልዩ።
ዝበዝሕ ግዜ እቶም ኣብ ሕጉስ ጽላለ (mania)ዚኣትዉ ሰባት ነቲ ናይ ተግባራቶም ኣሉታዊ ሳዕቤናት ኣይርእዩዎን ኢዮም። ሓደ ሰብ ናይ ውዝወዛ መንፈስ ምስ ዚህሉዎ፡ ነፍሰቅትለት ከም ሓደገኛ ሳዕቤን ኮይኑ ከንጸላሉዎ ይኽእል ኢዩ፡ ምኽንያቱ ድማ ገለ ሰባት ኣብቲ ሕጉስ ጽላለ ከለዉ እውን ናይ ነፍስኻ ምቕታል ዝንባለ ኣለዎም። ኣብ ናይ ሕጉስ ጽላለ ባህርያት፡ ኣየናይ ኢዩ ከም ቀዪሕ መስመር ኮይኑ ኪረአ
ዘለዎ ኢልካ ንምፍላጥ ብማለት ንድሕሪት ተመሊስካ ነቲ ናይቲ ሰብ ዝሓለፈ ባህርያት ብምምርማር፡ ነቲ ሰብ ካብ ሓደጋ ከተድሕኖ ትኽእል ኢኻ።
ቅዝኖት፥ ናይቶም ባይፖላር ቃዝኖት ኣዚዩ ኣልማሲ ብምዃኑ፡ ገለ ሰባት ካብ ዓራቶም እውን ኪለዓሉ ኣይክእሉን። ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ከም ልምዲ ድቃስ ይኣብዮም ደቂሶም ውን ነዊሕ ኣይጸንሑን። ገለ ግን ካብቲ ልሙድ ንላዕሊ ይድቅሱ። ሰባት ቃዝኖት ኪሕዞም ከሎ፡ እንታይ ከም ዚድረሩ ንምውሳን እኳ ይኸብዶም ኢዩ። ብስምዒታት ክስራንን ውድቀትን ገበን ወይ ናይ ሕልና ምዕራብ ይስነፉ። ከምዚ
ዝበለ ኣሉታዊ ስምዒታት ድማ ናብ ነፍሰቅትለት ኪመርሕ ይኽእል ኢዩ።
እቲ ንሓደ ሰብ ንኸይሰርሕ ዚኽልክሎ ናይ ቃዝኖት ምልክታት ሕማም ንኺምርመር ኪበቅዕ፡ ኣብ ዳርጋ መመዓልቲ፡ ብውሑዱ ንኽልተ ሰሙናት ኪኽሰት ይግባእ። ምስ ውዝወዛ መንፈስ እተኣሳሰረ ቃዝኖት ንኽትፍውሶ ኣጸጋሚ ኢዩ፡ ከምኡ ብምዃኑ ድማ ፍሉይ ናይ ፍወሳ መደብ ኪግበረሉ የድሊ።
ጠንቅታት
ሰብ-ሳየንስ፡ ንናይ ውዝወዛ መንፈስ ሕማም ዛጊት ምንም ጠንቂ ኪረኽቡ ኣይከኣሉን። ንሳቶም ከም ዚብሉዎ፡ ነዚ ዚፈጥር ብዙሕ ረቛሒታት ኣሎ፡ ከም ንኣብነት እዞም ዚስዕቡ፥
ምንጪ: NAMI: ሃገራዊ ኪዳን ሕማም ኣእምሮ National Alliance on Mental Illness
We use cookies to analyze website traffic and optimize your website experience. By accepting our use of cookies, your data will be aggregated with all other user data.