ሰብ ከም ድላዩ ኪሓስብ፡ ማለት ንሓሳባቱ ፋሉል ኪሰዶ ይኽእልዶ? ኣብ ገለ ኩነታትን ኣጋጣሚታትን ይኽእልዩ። ንኣብነት ኣብ ሕልምን ኣብ ስኽራንን ኣብ ጽላለን። ስኽራን ክንብል ከሎና፡ ናይ ስልጣን ስኽራን ከም ዘሎ እውን ክንርስዕ ኣይግባእን። ሓሳባት ወድሰብ ቀጻሊ ዚፍልፍል ናይ ሓንጎል ውጽኢት እዩ። ደው ኪብል ኣይክእልን። ምስ ሞትካ ጥራይ እዩ ደው ዚብል። ደቂስካ ከሎኻውን ናብ ሕልሚ ብምቕያርን ብምውግጋንን ስርሑ ይቕጽል እዩ። ነቲ ከም ማዕበል ዚገላበጥን ከም ፈለግ ዝውሕዝን ኣብ ኣእምሮና ዘዕለብጥን ሓሳባት ከም ዕርፊ ኮይኑ ኣንፈት ዘትሕዞን ከም መንፊት ኮይኑ ዝነፍዮን ዝጸጽዮን ዝወጋግኖን መሳርሒ ወይ ፕሮሰሰር ኪህሉ ግድን እዩ።
እዚ ኣካልዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ሓንጎልና ኣሎ። ሕልና፡ ቀልቢ ወይ ልቦናዶ ክንብሎ? ንሓሳባትና ልክዕ ከም ኣመጻጽኣኡ ማለት ከይመመና ቃላት ኣልቢስና እነውስኦ እንተ ንኸውን፡ ዝበዝሕ ሰብ ኪርደኣና ኣይምኸኣለን። እዚ ዝነፍን ዝመምን ናይ ሓንጎልና ውሽጣዊ ኣካል፡ ብባህልን ልምድን፡ ብዝወረስናዮ ባህርያትን፡ ብኸባቢናን ከምኡውን ብማሕበራውን ቁጠባውን ኩነታትና ይጽሎ እዩ። እምበኣር፡ ኣብቲ እንነብረሉ ሕብረተሰብ፡ ከም ጥዑያት ሰባት (ከም ሕዋያት ዘይኮነ) ክንዋሳእ እንተ ደኣ ዄንና፡ ኩሎም እቶም ካብ ኣፍና ከነውጽኦም እንደሊ ቃላትን ብገጽናን ብኻልእ ክፋላት ኣካላትናን ክንገልጾም እንደሊ ስምዒታትን ኣቐዲምና ክንመዝኖምን ክንወጋግኖምን ንግደድ ኢና።
ምሸት ኣብ ገዛኻ ምስ ኣተኻ፡ ኣብ ዓራትካ ኴንካ፡ እንታይ እየ ክብል ዝወዓልኩ ብምባል ነቲ ክትብሎ ዝወዓልካ በብሓደ ትእርሞ እንተ ትኸውን፡ እቲ ዝንቡዕ ኣተሓሳስባኻ ኣይምሳዕረረን። ስቕ ኢልካ እንተ ርኢኻዮ ግን፡ ነቲ ኣእምሮኻ ኪመልኮን ከባላሽዎን ሓይልን ክእለትን ኣለዎ። ጌጋ ኣተሓሳስባ፡ ናይ ሞራል ሕቶ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ናይ ስነሞጎታዊ ሕቶ'ውን እዩ። ይኹንምበር፡ ሞራል ወይ ጽቡቕ ተግባር፡ ኣብ ስነሞጎት እተመርኮሰ ምዃኑ ኣብቲ ዝመጽእ ጽሑፋት ኪግለጽ እዩ።
ነቲ ብተፈጥሮ እተዋህበካ ዓቕሚ ወይ ክእለት ወይ ጉድለት ተቐቢልካ፡ ወይ ከተመሓይሾ ምፍታን ወይ ድማ ክሳብ ጥርዙ ክትጥቀመሉ ምፍታን ኣማራጺ ዘይብሉ ጉዳይ ምዃኑ እንተ ፈሊጥካ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ስነመጎታዊ ኣተሓሳስባ እንተ ኣማዕቢልካ፡ ኣእምሮኻ ብመጠኑ ተተኻኺሉን ተጸልጺሉን (ተመልሚሉን) ማለት እዩ። ምልሙልን ጽልጹልን ኣእምሮ ድማ ኣብቲ ኣብ ሕበረተሰብ ዚኽሰት ለውጢ ወይ ምስግጋር፡ ዓቢ ኣበርክቶ ኪገብር ይኽእል እዩ።
እሞኸ እንታይ እዩ ኪጽልጸል ወይ ኪተኻኸል ተደልዩ ዘሎ? ይኹንምበር፡ ኩሉ ነገር ብሓደ ግዜ ኪልወጥ ስለ ዘይክእል፡ ንነዊሕ መገሻ ድማ ሓንቲ ስጉምቲ ስለ እትጅምራ፡ ነቲ መብዛሕትኡ ኣብ እተፈላለየ ወገናት ዓለም ዚነብር ህዝብና ሒዙዎ ዘሎ ኣገባብ ኣተሓሳስባ ብመጠኑ ንምልዋጥ፡ ከምዚ ዚስዕብ ርእይቶ ከቕርብ እፈቱ፤
እቲ ኺጽልጸል ዘለዎ ኣተሓሳስባ እምበኣር ከምዚ ይመስል፤
1. ምሕፋሽ (Generalization)
ንሓደ ወይ ንኽልተ ወይ ንውሑዳት ዚምልከቱ ጉድለታት ወይ ውህበታት፡ ንኹሉ ህዝቢ ወይ ጉጀለ ከም ዚውክል ጌርካ ምዝራብ
2. ኣቐዲምካ ምፍራድ (Prejudice)
ኣብ ኣመሪካ፡ ኣብ ሓደ ጸዓዱ ዚምሃሩሉ ቤትትምህርቲ፡ ንገለ ተምሃሮ ናይ ሓደ ካራ ዝሓዘ ጻዕዳን ናይ ሓደ ካራ ዘይሓዘ ጸሊምን ሰብ ፎቶ ብስላይድ ገርዮም ንሒደት ካልኢታት (ማለት ቅጽበታዊ ህሞት) ኣርእዮምዎም። ብድሕርዚ ሕቶ ኣቕሪቦሙሎም። መን እዩ ካራ ሒዙ ዝነበረ፡ እቲ ጸሊም ድዩ ወይስ እቲ ጻዕዳ? ዚብል ሕቶ። መብዛሕትኦም እቶም ተምሃሮ፡ እቲ ጸሊም እዩ ካራ ሒዙ ነይሩ ዚብል መልሲ ሂቦም። ንኣእምሮኦም፡ ጸሊም እዩ ቀታል ሰብ ዚብል ቅድመፍርዳዊ ርእይቶ መሊኦምዎ ስለ ዝጸንሑ።
3. ስምዒታዊ ምዃን
ዝበዝሕ ግዜ፡ ስምዒት ቦታ ዚረክብ፡ እቲ ስነመጎታውን ተንታንን ክፋል ኣእምሮ ኪዕጾ ኸሎ እዩ። ኣእምሮ ኣዒንቲ ኣለዎ፡ ስምዒት ግን ዝበዝሕ ግዜ ዕዉር እዩ።
4. ኣብ ማሪት (ኣጉል እምነት) ምምርኳስ
ነቲ ጉዳይ ባዕልኻ በቲ ክትሓስበሉን ክትትንትነሉን እተዋህበካ ኣእምሮ ኣብ ክንዲ ምፍታሕ፡ ናብ ገለ መለኮታዊ ሓይሊ ከተጸግዖ ምፍታን። ናይዚ ኩነታትዚ ውጽኢት መብዛሕትኡ ግዜ ኣሉታዊ እዩ። ቅድም፡ ኩሉ ዝከኣለካ ዘበለ ግበር፡ እቲ ዝተረፈ ድማ በቲ ምዕባለታትን ኩነታትን ባዕሉ ኪውሰን ግደፎ።
5. ኣመና ምፍታውን ኣመና ምጽላእን
ኣብ ዝኾነ ይኹን ናይ ህይወት ንጥፈታት ኣመና ምፍታው ከጋግየካ ይኽእል እዩ፡ ከምኡውን ኣመና ምጽላእ። ብፍላይ ፍርዲ ወይ
ርእይቶ ኣብ እትህበሉ እዋን ኣእምሮኻ ብስርዓት ኪሰርሕ እንተ ደሊኻ፡ ንኹሉ ብሓደ ዓይኒ ረኣዮ። ነቲ እትፈትዎን ነቲ እትጸልኦን።
6. ኣነ'የ ዝፈልጥ፡ ኣነ እየ ነቲ ቅኑዕ መገዲ ሒዘ ዘለኹ ምባል
ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ፡ ተጻዋርነትን ሕድገትን ኣይፈልጥን እዩ። ዕድል ምስ ዚረክብ ድማ ዕንወታዊ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ድሕር ኣይብልን።
7. ዕላማኻ ዘይንምጻር
ኣብ ዝኾነ ንጥፈታትን መስርሕን ኣብ ፖሊሲታትን ስልትን ስትራተጅን፡ ዕላማ ኪህልወካ ይግባእ። ዕላማ ዘይብሉ ኩሉ ስራሕን ሃልክን ውጽኢቱ ድኻም ጥራይ እዩ።
8. ጸገማት ከተለሊ ዘይምፍታን
ነቲ ጸገም ከየለለኻ ምሉእ መዓልቲ ብዛዕባ ስትራተጂ ክትዛረብ ምውዓል እውን ዋጋ የብሉን። መጀመርያ ነቲ ጸገም ኣለሊኻ ተሰማምዓሉ፡ ብድሕርዚ ብሓደ ኴንካ ክትቃለሰሉ ምፍታን።
9. ትም ምባል/ዓገብ ዘይምባል/ልኡምነት ምርኣይ
ዘይፍትሓዊ ዘይሓቂ ዘይግቡእ ነገራት ክትርእይ ከሎኻ ባዕልኻ እኳ እንተ ዘይተቓለስካሉ፡ ዚቃለሱሉ መታን ኪርከቡ ኣብ ህዝቢ
ከተቕርቦ ይግባእ።
10. ኢሎምና/ተባሂሉ/ይብሃል ኣሎ ወዘተ. እናበልካ ምዝራብ
ኣብ ክንዲ ባዕልኻ ኣንቢብካ ወይ ናብቲ ምንጪ ኬድካ ሓበሬታ ምውህላል፡ ኣብ ማርሻበዲ ዚውረን ብሕሱር ጋዜጣታትን ተለቪዥናትን ብሞባይላትን ዝመሓላለፍ ሓበሬታታትን ዜናታትን በለካ ለኽዓካን ከም እሙን ማዕከን ጌርካ ምቕራብ። ነዘን ተዘርዚረን ዘለዋ ጻህያይ ወይ ክርዳድ ንምእላይ ምስ እትቃለስን ኣብ ኣተሓሳስባኻ ድማ መዓልታዊ ቍጽጽር ምስ እተካይድ፡ ሓሳባትካ እናነጸረን እናተኾለዐን ናብቲ ናብ ጭቡጥን ሓቅን ዚወስድ መገዲ ከም ዝመርሓካን ዘብጽሓካን ክትጠራጠር ኣይግባእን።
-ኣማኑኤል ሳህለ
We use cookies to analyze website traffic and optimize your website experience. By accepting our use of cookies, your data will be aggregated with all other user data.